MAP

MAP Leo XIV holds the weekly general audience in the Paul VI Hall at the Vatican MAP Leo XIV holds the weekly general audience in the Paul VI Hall at the Vatican 

ር. ሊ. ጳ. - 'ክርስትያናዊት ፍቕሪ ምምላጥ ዘይኰነስ ውሳነ ኢዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጌተሴማኔ እተታሕዘሉ እዋን ብምስትንታን ኣብዚ ፍርህን ምጕዳል ፍትሕን ጽምዋን ዝመልኦ እዋን ኣምላኽ ከም ዘሎና ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ዝገበርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲሮም፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ብዛዕባ እተታሕዘሉ ኩነታት ኣስተምሃሩ ።

ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ እቲ ኩነታት ዘፍርሆን ወይ ድማ ከም ሓደ ካብቲ ቦታ ከምልጥ ከም ዝደሊ ገይሩ ኣየቕረቦን ። ኣብ ክንዳኡስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "ናብ ብርሃን እታ ዓባይ ፍቕሪ ዝግለጸሉ ሰዓት ገጹ ዝጥምት ናጻ ሰብ" ከም ምዃኑ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ግዳይ ዘይኰነስ ወሃቢ ኢዩ

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተታሕዘ እንታይ ከም ዝወርዶ ዘይፈልጥ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን ገና ጽኑዕ ኢዩ ዝነበረ፣ ካብቲ ኩነታት ከምልጥ ውን ኣይተረኽበን፣ ኣብ ክንድኡስ ንርእሱ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓቀይቲ ኣሕሉፉ ኢዪ ዝሃበ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝገለጽዎ፣ ነዚ ተግባር እዚ "ብድኻምነት ዘይኰነስ ብፍቕሪ" ኢዩ ዝገለጾ። እዚ ድማ ብሱል ብዝዀነትን ንምንጻግ ብዘይትፈርህን ምሉእ ፍቕሪ ዝገበሮ ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሕዝዎ ገዛእ ርእሱ ኣሕሉፉ ብምሃብ ስለ ዝፈቐደ፣ ግዳይ ናይቲ ማእሰርቲ ኣይነበረን ። ንሱ "ወሃቢ ውህበት" ስለ ዝዀነ፣ "ንደቅሰብ ተስፋን ድሕነት ዘንጸባርቕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ኣብቲ ናይ ጸልማት ግዜ ውን እንተኾነ፣ ክሳዕ መወዳእታ ንምፍቃር ናጻ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዘረድእ እዩ።"

ሓቀይና ተግባር ፍቕሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ነቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ምስጢራዊ ሓሳባት ውን ኣጕሊሖም እዮም፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣነ እየ" ኺብል ከሎ፣ እቶም ወተሃደራት ከኣ ናብ ምድሪ ወደቑ ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፣ እቲ "ኣነ እየ" ዝብል ቃል፣ ስም ኣምላኽ ዝዝከረሉ ህሞት ኢዩ። መድሓኒና ኢየሱስ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሰባት ዘይፍትሓውነትን ፍርህን ጽምዋን ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ውን ከይተረፈ ከም ዘሎ እዩ ኣርእዩና ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "እቲ ሓቀይና ብርሃን በቲ እናቐረበ ዚኸይድ ዝነበረ ጸልማት ከይተሳዕረ ኺበርህ ዝኽእል እዩ" ክብሉ ውን  ይገልጹ ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዅሉ ዝፈርሰሉ ዘሎ ዝመስል ለይቲ፣ ክርስትያናዊ ተስፋ ምምላጥ ዘይኰነስ ውሳነ ምዃኑ ኣርኣየና ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኻብቲ "ኣምላኽ ካብ ስቓይ ኬናግፈና ዘይኰነስ ብፍቕሪ ንኽንጸንዕ ብርታዐ ክህበና ኢዩ ዝደሊ" ዝብል ዓሚቝ ናይ ህይወት ጸሎት ከም ዘረድእ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኢየሱስ ኣብቲ እተታሕዘሉ እዋን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኸም ዘይተጨነቐ ውን ኣስመሩሉ ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ምድሓን እዩ ኣተኲሩ ዝዓዪ ዝነበረ ። እዚ ኸኣ መስዋእቱ ሓቀይና መግለጺ ፍቕሪ ምዃኑ፣ ማለት ነዕሩኹ ሓራ ምእንቲ ኽወጽኦም ከም እተታሕዘ ኢዩ ዘርእየና ።

ኣብ ምሉእ ህይወትና እንገብሮ ምስንዳው

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ናብዛ "እተደንቕ ሰዓት" ይሰናዶ ኸም ዝነበረ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕልሑ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ብትብዓት ምላሽ ዝሃበ ። ህይወትካ ብፍቕሪ ምሃብ ኪበሃል እንከሎ ፍሽለት ማለት ዘይኰነስ ፍጻሜ ማለት ምዃኑ ተረዲእዎ ነበረ ።

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ናብ መስቀል ዚወስድ መገዲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣይተረበሸን ማለት ኣይኰነን ። እንተዀነ ግን ህይወቱ ብፍቕሪ ተዋሒቱ ከም መሥዋዕቲ የቕርብ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ ብትብዓት ክቕጽል ከኣለ ።

"እቲ ናይ ሓቂ ተስፋ ኻብ ስቓይ ንምምላጥ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ዘይኰነስ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣዝዩ ዘይፍትሓዊ ዝዀነ መከራ እውን ከይተረፈ ዘርአ ሓድሽ ህይወት ከም ዝርከብ ብምእማን እዩ" በሉ።

ናብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ናይ ወንጌል ኣተኩር

እዚ ዅሉ ምሳና ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም የስተንትኑ ። ንህይወትና፡ ንመደባትና፡ ንንዋታዊ ዋንነትናን ከምኡውን በይንና ኣብ ክንዲ እንኸይድ ናብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ናይ ወንጌል ክንምለስ እዩ ዝምሕጸነነና። እዚ ማለት ከአ "እቲ ንኻልኦት እተወፈየ ጥራይ ኢዩ ዝዕምብብ፣ እታ ሓራ እትወጽእ ፍቕሪ ጥራይ እያ ከአ ኵሉ ነገር ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን እውን ከይተረፈ ምትእምማን ከተሕድር እትኽእል።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምስሊ እቲ ኢየሱስ ምስ ተታሕዘ ጥራዩ ዝሃደመ መንእሰይ ገይሮም ድማ፣ ንኢየሱስ ኣብ እንስዕበሉ መንገዲ ተጠንቂቕና  ምስኡ ኸም እተተሓሓዝናን ብመገዲ ፍቕሪ ክንስዕቦ ከቢድ ምዃኑ ብምሕሳብ ካብቲ ወንጌል ርድኢት ክነምልጥ ከም እንፍተንን ገለጹ ።

እቲ ዛንታ ግን ቀሲሉ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ መንእሰይ ንተስፋ እምነትና ዜመልክት ትንሳኤ ብምእዋጅ እዩ ዝዛዘም ። ኣምላኽ ብምኽንያት ሓጢኣትናን ምጥርጣራትናን ድሩት ኣይኰነን፣ ነቲ ኸም ሰዓብቱ መጠን ዘሎና ግደ እንደገና ንኽንቅበሎ ዘሎና ባህጊ ድማ ክመልሰልና ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ህይወትና ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ናይ ምውፋይ ክእለት ከም ዝህልወና ይገብር ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ንዅሉ ሰብ ብህይወትና "ነቲ እተቐበልናዮ ጽቡቕ ነገር ምላሽ ኩን" ክብሉ ብምትብባዕ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ። ንዅሉ ነገራት ክንቈጻጸሮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና "መዓልቲ መዓልቲ ብናጻ ምፍቃር ግን እኹል ኢዩ ።" ተስፋና ኣብቲ ጸልማት ዝወረሶ መዓልትታት እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብኡ ኢያ ዘላ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ፍረ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ የጽንዓናን የበርትዓናን ኢዩ ።

27 Aug 2025, 18:31