ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፦ ማርያም ኣይቆና ተስፋ እያ!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ደድሕሪ እቲ ኣብ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር መሪሖም፣ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፊሎም። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ካብቲ ብዛዕባ ፍልሰት ማርያም ዚገልጽ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተወስደ ጽሑፋት ብምጥቃስ ኣስተምሃሩ ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደና "ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ንዘለዉ ነጋድያን ደቃ ከም ኣይቆና ተስፋ ዀይና ኸም እተብርህ" ውን ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ዳንተ ኣሊጌሪ ዝተሰምየ ህቡብ ኢጣልያዊ ደራሲ፣ ፸ዲዞ ወይ መንግስተ ሰማይ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሶ ዘደንቕ ግጥምን፣ ናብቲ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዝማሬ እተ ዘመረት ጸሎትን ኣተኲሮም ኣስተንተኑ ። እዚ ግጥሚ እዚ ንድንግል ማርያም ከም "ህያው ዓይኒ ማይ ተስፋ" ገይሩ ብምግላጽ ከም ዝውድሳ ድማ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንድንግል ማርያም ከም ምልክት ተስፋ ገይሮም ገሊጽዋ ከለዉ፣ እዚ ድማ ምስ ፍረ ነገር ናይዛ ቅድስቲ ዓመት ኢዮቤል —ነጋድያን ተስፋ— ዝዛመድ ምኹኑ ኣዘኻኸሩ።
ነጋድያን ጕዕዞኦም ንምቕጻል ሸቶ ኸም ዜድልዮም ውን ኣጕልሑ ፣ እዚ ሸቶ እዚ ኸኣ "ንስጕምትታቶም ዚመርሕን፣ ኣብ ጕዕዞኦም ዜሐድሶምን ወትሩ ኣብ ልቦም ባህግን ተስፋን ከም ዚለዓዓል ዚገብርን ባህ ዜብልን ማራኽን ሸቶ እዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ዕላማ ናይዚ ጕዕዞ ህይወት እዚ ኣምላኽ ኢዩ፣ ንልቢ ደቂ ሰባት ድማ ናብ ጽባቐ ኣምላኽ ዝስሓብ ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ምዃኑን፣ ከም ዝሞተን፣ ከም ብሓድሽ ከም ዝተንስአን ምስጢር ዝዀነ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብዛዕባ እቲ ማርያም ከም ኣደ ወዲ ኣምላኽ መጠን ዘለዋ ምስጢር ውን ኣስተንተኑ ። እዚ ምስጢር እዚ ድማ ብዛዕባ ፍሉይ ምስጢር ፍቕርን ናጽነትን እዩ ዚገልጽ" በሉ። ጐይታናን መድሕኒናን የሱስ ክርስቶስንን ድንግል ማርያም ኣዴናን ኣብ ህይወቶም 'ሕራይ' ከም ከም ዝበሉ ውን ዘከሩ። ማርያም ኣብ ምሉእ ህይወታ ምስ ወዳ ብምዃን፣ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ኽሳዕ ናብታ ሰማያዊት ዓዳ ዝገብረቶ ናይ ተስፋ ጕዕዞ ኢዩ ዝነበረ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ውልቀ - ሰባትን ስድራቤታትን ከምኡውን ከም ማሕበረሰብ መጠን ኣጸጋሚ ዅነታት ዘጋጥመና ዘሎ በሉ። ንድንግል ማርያም ኣዴና ንጠምታ እሞ ነቲ ዘሳቒ ተስፋ እንደገና ኽንረኽቦ ኢና" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።