ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሓቀይና እምነት ቃልን ተግባርን ዘጣመረ እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዘቅርቦ ኣብነት “ጸቢብ ማዕጾ” እንከስተንትኑ፣ እዚ ድማ ኢየሱስ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ድዮም ክድሕኑ ዝብል ሓደ ሰብ ንዘቕረበሉ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ከም ኣብነት ዝተጠቀመሉ ምዃኑ ሓቢሮም፣
ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ማዕጾ ንምእታው ተጋደሉ!
ልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት ኣይሃሉ
“እግዚኣብሔር ኣቦ ፍቕርን ምሕረትን፣ ኩሉ ግዜ ክቕበለና ኣእዳዉ ዘርጊሑ ዝጽበየና ካብ ኮነ፣ ስለምንታይ ኢየሱስ ኣፍደገ ድሕነት ጸባብ እያ ዝብል?” እንክብሉ ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፣ ኣምላኽ ተስፋ ከቑርጸና ኣይፍትንን እዩ። እንታይ ደኣ ነቶም ልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎምን ድሮ ዝደሓኑ ኮይኑ ዝስሞኦምን፣ እቶም ሃይማኖታዊ ልምድታት ስለ ዝፍጽሙ ስለዚ ድማ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘለዉ ዝኣምኑን” እዩ ዝፈታተን።
እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ልቢ ሓደ ሰብ ብሃይማኖታዊ ተግባራት ጥራይ ክቕየር ከም ዘይኽእል ብሓቂ ኣይርድኡን እዮም። እግዚኣብሔር ካብ ኣምልኾ ዝተፈልየ ሕይወት ዝነብሩ ሰባት ኣይደልን እዩ። ሰባት ዘቕርብዎ መስዋእትን ወይ ጸሎትን ኣይደልን እዩ፣ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ምፍቃርን ፍትሒ ናብ ምትግባርን እንተዘይመረሖም! በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘጕልሕዎ፣ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ቅድሚ ጐይታ ክቐርቡ እንከለዉ፣ "ምስኡ ስለ ዝበልዑን ዝሰተዩን ንትምህርትታቱ ስለ ዝሰምዑን ዝምክሑ" ክነጽጎም እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መንገዲ “ጸባብ ማዕጾ” .
ናይ ሰንበት ወንጌል በዳሂ ግን ከኣ ጽቡቕ መልእኽቲ የቕርበልና፡ “ሓድሓደ ግዜ ነቶም ካብ እምነት ዝረሓቑ ክንፈርዶም ንኽእል እኳ እንተኾንና፡ ኢየሱስ ግን ‘ንርግጸይናነት ኣመንቲ’ ይፈታተን።” እምነትና ብቓላት ጥራሕ፡ ናብ ቅዳሴ ምኻድ፡ ወይ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ብኣእምሮና ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኮነን።
እምነት ሓቀይና ዝኸውን ኣካል ናይ ምሉእ ህይወትና ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ - መሰረት ምርጫታትና ምስ ዝኸውን፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ፡ ጽቡቕ ንምግባር ተወፋይነት ዘለዎምን ኣብ ፍቕሪ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ንምግጣም ፍቓደናታት ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክንከውን ምስ ዝመርሓና እዩ - ቢሎም - ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ነቲ ቀሊል መገዲ ዘይሓዘ፡ ንሕና እውን በዳሂ ወይ ዘይፍቱውን ምርጫታት ክንገብር ኣሎና፣ ምስ ርእሰ ፍትወትና ክንቃለስ፣ ምእንቲ ካልኦት ክንብል ገዛእ ርእስና ክንህብ፣ ዋላ’ውን ስነ - መጐት ክፍኣት ዝሰዓረ እውን ይምሰል ኣብ ሰናይ ምግባር ክንጸንዕ” ኣሎና። ዋላ እኳ ከቢድ እንተኾነ፡ ነታ መንገዲ እንተመሪጽና፡ ሓድሽ ሕይወት ክንረክብ ኢና፡ ናብ ክፉት ልቢ ኣምላኽ ኣቲና ሓጎስ ሰማይ ክንረክብ ኢና . . . ብትብዓት በታ “ጸባብ ማዕጾ” ወንጌል ክንሓልፍ፡ ንስፍሓት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦ ብታሕጓስ ገዛእ ርእስና ክንከፍት ማርያም ክትሕግዘና ኣማላድነት ንጸውዕ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።