MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ንብሉጽ መዝገብ ህይወትካ ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ኣዋፍርዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ሥጋዊ ጥሪት ጥራይ ዘይኰነስ ግዜን ህልውናኦምን ውን ብድንጋጸ ምስ ደቂ ሰባት ክካፈልዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ምእመናን ነቲ ኣብ ይወቶም ዘሎ "ክቡር መዝገብ" ብኸመይ ከም ዘዋፍርዎ፣ ንገዛእ ርእሶም ክምርምሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ቓላት ብምጥቃስ ክርስቲያን ምእመናን ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተቐበልዎ ውህበት ብንፍገት ከይሕዙ፣ የግዳስ ንኻልኦት ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝያዳ ስኡናት ብልግሲ ብምክፋል ኺጥቀሙሉ ተማሕጸንዎም።

"ስጋዊ ጥሪት ምክፋል ጥራይ ዘይኰነስ፣ ክእለትና ግዜና ፍቕርና ምስኣቶም ምህላውናን ድንጋጽናን ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣድላዩ ኢዩ" በሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምድጋፍ ክውፈ ዘለዎ "ኣብ መደብ ኣምላኽ ፍልይ ዝበለን ብዋጋ ዘይትመንን ጽቡቕ ነገር ኢዩ፣ እንተ ዘይኰይኑ ግን ሕሱርን ዋጋ ዘይብሉን ኢዩ ዝኸውን" በሉ።

ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምእመናን፣ እንተ ዘይኮይኑ ግና እዚ መዝገብ እዚ በቶም "ስርቒ ዝልማዶም ሰባት ከም ዝባኽን" ወይ ክውሰድ ከም ዝኽእል ኣጠንቀቑ። ውህበት ኣምላኽ ንኽብልጽግ ቦታን ናጽነትን ርክባትን ከም ዘድልየና፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ "ንዅሉ መዳይ ህላወና ዝቕይርን ዘኽብርን ንኣምላኽ ከም እንመስል ዝገብረና" ተግባረ ምሕረት ኸም ዘድልየና ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናብታ ምሉእ ብምሉእ ናብታ ኣብ መስቀል እተሰቕለላ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፣ ነዘን ቃላት እዚኣተን ከም እተዛረበን ብምዝካር፣ ንተግባረ ምሕረት ነቲ መዝገብ ህይወትና ዝኾነ "ዝበለጸን ፍረ ዘለዎን ባንክ" ከም ዝገብሮ ውን ገለጹ።እቲ ዝነኣሰ ተግባረ ፍቕሪ እውን እንተ ዀነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ እታ ኽልተ ሰናቲም ዘወፈየት መበለት "ኣብ ዓለም እታ ዝሃብተመ ሰብ" ክትከውን ዝኸኣለት ድኻ ከም ምዃና ዚገልጽ ሓሳብ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ጥቕሚ ኺህልዎ ኸም ዘኽእለና ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ንቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃስ ሰባት ንነሓስ ናብ ብብሩር ወይ ንብሩር ናብ ወርቂ ኺልውጡ ኸለዉ ዘሓጉሶም እኳ እንተ ዀነ፣ ብፍቕሪ እተፈጸመ "ልግሲ" ግን ኣዝዩ ዝዓበየ ነገር ኢዩ፣ ማለት ናይ ዘለዓለማዊ ህይወት ከም ዜምጽእ እውን ኣመልከቱ። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "እቲ ውህበት ክልወጥ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ድማ እቲ ወሃቢ ውን ስለ ዝልወጥ" በለ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ምእመናን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ማለት ከምታ ንደቃ እትሓልየሎም ኣደ ወይ ውን ከምቲ ብሓባር ብምክፋል ክነብሩ ከለው ከም "ንጉስን ንግስትን" ዝመሳሎም፣ ፍቕሪ ዘለዎም ክልተ ሰባት፣ ነዚ ሓቂ እዚ ከስተውሉሉ ዓደምዎም ። ወሲኾም ድማ "ብዙሕ ካልእ ኣብነታት ክንህብ ንኽእል ኢና" ክብሉ ውን ገለጹ።

ኣብ ቤትና፣ ኣብ ቍምስናታትና፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ኣብ እንራኸበሉ ቦታታት ዘበለ ኩሉ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንኸነፍቅር ዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ኸየምልጠና" ኣተባብዑ። እዚ ኸኣ ከምቲ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ምሳና ከም ዘሎ ንቝሓት ምዃን ማለት ኢዩ ።

ቅዱስነቶም ኣስተንትኖኦም ኣብ ምዝዛም ንዅሎም ምእመናን ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ደቂ ሰባት "ምሕረትን ሰላምን" ንኽረኽቡ ክትሕግዝዎም ብምሕታት ነዚ ባህጊ እዚ፣ ነብታ "ኰዀብ ወጋሕታ" ዝዀነት ድንግል ማርያም ብሕድሪ ከወፍይዎ ተላበውዎም።

11 Aug 2025, 16:57