ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 መራሕቲ ሞዛምቢክ ኣብታ ሃገር ሰላምን ጸጥታን ከውሕሱ ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሐር ኣቓልቦ ዓለም ናብተን ብዓመጽ ዝሳቐያ ዞባታት ከብል ሓቲቶም፣ ጸሎትን ጭቡጥ ደገፍም ድማ ክረኽቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅርበት ንሞዛምቢክ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጀመርያ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ኣኽረርቲ ብዝፍጸም ዓመጽ ንዓመታት ዝቕጽል ዘይውሕስነት ዝተጻወረ ህዝቢ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ሞዛምቢክ ስክፍታኦም ገሊጾም። ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሰሜናዊት ዞባ እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ሕይወቶም ንምድሓን ካብ መረበቶም ናብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ክስደዱ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ናይቲ ሞትን ምዝንባልን ዘስዕብ ዘይውሑስን ዓመጽ ዝተመልኦን ኩነታት ግዳይ ኮይኑ ንዘሎ ንህዝቢ ካቦ ደልጋዶ ቅርበተይን ጸሎተን አረጋግጽ” ቢሎም፣ ምእመናን “ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን” ከይርስዕዎም ተማሕጺኖም፡ ጻዕሪ መራሕቲ ሞዛምቢክ ኣብ ምምላስ ጸጥታን ሰላምን ክዕወት” ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎት ንዩክሬን
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ዕለት 22 ነሓሰ ምእንቲ ኵሎም እቶም ብመዓት ኲናት ዝሳቐዩ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምኡ’ውን ዕለት 24 ነሓሰ ዝኽሪ ናጽነት ዩክሬን ምዃኑ ብምዝካር ፡ ነቲ ተበግሶ ኣስሚሮም፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ክርስትያንን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ተጠሪኒፎም ነቲ ህዝቢ ንጐይታ ሓደራ ክብሉ፣ መንፈሳዊ ጻውዒት” ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ መደምደምታ “ሎሚ ምስቶም ብመንፈሳዊ ተበግሶ ‘ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ዩክረይን፣’ ንጐይታ ነታ ትሳቐ ዘላ ሃገር ሰላሙ ከውርደላ ዝልምኑ ምስ ዘለዉ ዩክሬናውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሓብር” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።