MAP

2025.08.02 ልኡኽ ኣቢያተ መዘክር ቫቲካን ዝተሓደሰ ቅብኣ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ንር.ሊ.ጳ. ኣቕሪቡ 2025.08.02 ልኡኽ ኣቢያተ መዘክር ቫቲካን ዝተሓደሰ ቅብኣ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ንር.ሊ.ጳ. ኣቕሪቡ  (© Musei Vaticani)

ልኡኽ ኣቢያተ መዘክር ቫቲካን ዝተሓደሰ ቅብኣ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ንር.ሊ.ጳ. ኣቕሪቡ

ካብ ኣብያተ - መዘክር ቫቲካን ዝመጹ ዋና ኣመሓዳሪት ኣብያተ - መዘክር ቫቲካን ባርባራ ያታ ከምኡውን ኣደ መንበር ቤተ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ዝርከብዎ ወከልቲ ኣቢያተ መዝከር ቫቲካን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ መበል 18 ዘመን ስሙ ዘይተፈልጠ ሮማዊ ስነ - ጥበበይና ዝሰርሖ ቅብኢ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ገጸ ብረኸት ከም ዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ዝመጹ ልኡኻት ቀዳም ዕለት 2 ነሓሰ ኣብ ንእሽቶ ክፍሊ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ እቶም ልኡካን ንቅዱስ ኣውጉስጢኖስን ምስሊ ሓደ መልኣኽን ዘርእይ ብሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ሮማዊ ስነ - ጥበበይና ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝተሰርሐ፣ ቤት ሙክራ ምሕዳስ ቅብእታትን ብእምነ በረድን እንጸይትን ዝተሰርሑ ሓወልትታትን ዝተሓደሰ ቅብኢ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረበሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ቅብዒ ኣብ 1509 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቤት ጽሕፈት ከታማይ ኣብቲ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ዝግበር ዝነበረ ክትዓት ዘርእዩ ቅብእታትን ኣብ ዘለሉ ስፍራ ዝተነብረ እውን ምዃኑ ይሕብር።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣደ መንበር ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ፣ ዋና ኣመሓዳሪት ኣቢያተ መዘክርን ባህላዊ ቅርስታትን ቫቲካን ባርባራ ያታ፣ ናይ ቫቲካን ኣቢያተ መዘክርን ባህላዊ ቅርስታትን ስነ ጥበባዊ ስነ ምርምር ጉዳያት ምኽትል ሓላፊ ጃንዶመኒኮ ስፒኖላ፣ ምኽትል ዋና ሓላፊ ጉዳያት ምሕደራ ኣልበርቶ ኣልባነዚ፣ ናይ ቤተ ሙከራ ምሕዳስ ቅብኣታትን ብእምነ በረድን ዕንጨይትን ስርሓት ሓወልቲ ዋና ኣመሓዳሪት ነበር ፍራንቸስካ ፐርሰጋቲ፣ ተካኢኣ ፓውሎ ቪዮሊኒ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጀካ እዚ ኣብ ኣቢያተ መዘክር ቫቲካን ምስ መሻርኽቲ ሓለውቲ ስነ ጥበብ  ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክብ የኔታ ቴረንስ ሆጋን፤ ሓላፊት ክፍሊ ስነ ጥበብ መበል 17 – 18 ክፍለ ዘመን ከምኡ እውን ኣብ ቤት ሙከራ ምሕዳስ ቅብታትን ሓወልትን ሓላፊት ላውራ ባልዴሊ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 Aug 2025, 13:18