MAP

2025.08.30 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ምናንጋግዋ 2025.08.30 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ምናንጋግዋ  (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ምናንጋግዋ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 3ኦ ነሓሰ ንወግዕዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሪፓብሊካዊት ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ኤመርሰን ዳምቡድዞ ምናንጋግዋ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ምናንጋጋዋ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን  መበል 14 ዕለት 30 ነሓሰ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ኤመርሰን ዳምቡድዞ ምናንጋግዋ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፣ ርእሰ ብሔር ዳምቡድዞ ምናንጋግዋ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ዚምባብወን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከምኡ እውን ገለ መዳያት ፖለቲካውን ማሕበረ - ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝግበር ምትሕብባር ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩን ከምኡ እውን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ኣገዳስነት ምድንፋዕ ብዙሓ - ጎናውነት፡ ዘተን ምትሕብባር ኣህዛብን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣማእኪሎም ሓሳብ ንሓሳብ ከም ተለዋወጡ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ዚምባብወ ርእሰ ብሔር ምናንጋግዋ
30 Aug 2025, 16:13