MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢዮቤል መንእሰያት ንሕቶታት መንእሰያት ይምልሱ

ብገምጋም ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ መንእሰያት ኣብ ወሰን ከተማ ሮማ ንመዛዘሚ ኢዮቤል መንእሰያት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ዋዜማ ከም እተረኽቡን፣ ኣብቲ መደብ ዋዜማ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰለስተ መንእሰያት ብዛዕባ ዕርክነትን ምርጫታት ህይወትን ከምኡ እውን ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወሰን ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ከተማ ቶር ቨርጋታ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ መንእሰያት ነጋዲያን ተስፋ ቅነ ኢዮቤል መንእሰያት፣ ቀዳም ዕለት 2 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዋዜማ ከም እተሳተፉን  ምሸት ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ነቲ ብመዛሙርን ንባባት ቅዱስ መጽሓፍን ኣስትንትኖን ስግደትን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ምስክርነትን ዝቐረበሉ ናይ ጸሎት ዋዜማ ኢዮቤል መንእሰያት ከም ዝመርሑን ማእከል ናይቲ መደብ ሕቶን መልስን ኮይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰለስተ ሕቶታት መንእሰያት ነጋድያን ተስፋ ብቋንቋ ስጳይናን፡ ጣልያንን እንግሊዝን መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕርክነትን ምርጫታት ህይወትን ምስ ኢየሱስ ምርኻብን እዩ

እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ዘቕረበት ካብ መክሲኮ ዝመጸር ጓል 23 ዓመት ዱልሰ ማርያ ክትከውን እንኮላ፣ “ሓላፍን መብዛሕትኡ ግዜ ምትላልን” ባህሪ ናይ ኣብ መስመር ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከመይ ጌርና ኢና “ናብ ሓቀይና ተስፋ ዝመርሓና ሓቀይና ዕርክነትን ሓቀይና ፍቕርን ክንረክብ እንኽእል” ዝብል ንዘቕረበቶ ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዋላ እኳ ንዘተ “ዘይተለምደ ዕድል” እንተሃበ፡ “ንዓና ንምትዕንቓፍ፡ ወልፊ ሃልኪ ንኽህልወና” ዝድርኽ ክኸውን ከምዝኽእል ኣስሚሮም፣ ዕርክነት ብሓቂ ነባሪ ክኸውን ዝኽእል ኣብ እግዚኣብሔር ምስ ዝምስረት ጥራሕ እዩ - ቢሎም - ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ብምጥቃስ ድማ፣ “እቲ ኣብ ዓርኩ ንኣምላኽ ዘፍቅር እዩ ንዓርኩ ብሓቂ ዘፍቅር” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እታ ካልአይቲ ሕቶ ካብ ጓል 19 ዓመት ኢጣሊያዊት ጋያ ዝቐረበት ኮይና፣ ሕቶኣ ብዛዕባ እቲ ንብዙሓት መንእሰያት “ዘልምስ”፣ ኣገደስቲ ናይ ህይወት ምርጫታት ከይገብሩ ዝኽልክል “ሃዋህዉ ዘይርጉጽነት” ዝምልከት ኮይኑ፣ ር.ሊ.ጳ.​ ልዮን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ​ምርጫ ክበሃል እንከሎ “ንሓደ ነገር ምምራጽ ዘይኮነስ፡ ሓደ ሰብ ናይ ምምራጽ ጉዳይ” ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ምርጫ ክንገብር እንኮለና “መን ክንከውን ከም እንደሊ” ንውስን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ መወዳእታ ሕቶ ብእንግሊዘይና፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝመጸ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ዊል ዘቕረቦ ኮይኑ፣ ከመይ ጌርና ኢና ንኢየሱስ ‘ብሓቂ ክንራኸቦ’ እንኽእል፡ “ኣብ ማእከል ፈተናታትን ዘይርጉጽነትን” ኣብ ህላወኡ ከመይ ገይርና ኢና ርግጸይና ክንከውን እንኽእል? ዝብል ኮይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሃብዎ መልሲ፡ ነቶም መንእሰያት ነጋድያን፣ “ብዛዕባ ኣነባብራኹም ኣስተንትኑ፣ ፍትሒ ድለዩ፣ ንድኻታት ኣገልግሉ፣ ከምኡ’ውን ንክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ኣምልኹ” ዝብል መተሓሳሲቢ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸሎት ንማርያን ፓስካልን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድሕሪ እቲ ካብ መንእሰያት ነጋዲያን ተስፋ ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ኣባል ካብ ስፐይን ዝመጹ መንእሰያት ዝኾነት ጓል 20 ዓመት ማሪያ ከምኡውን ኣባል እታ ካብ ምስሪ ዝመጸት ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ጓል 18 ዓመት ፓስካል ኣብ ፍጻሜታት ኢዮቤል መንእሰያት ኣብ ምስታፍ እንከለዋ ዝዓረፋ ዘኪሮም፣ "ነጋዲያን ተስፋ ምእንቲ እዘን ክልተ መንእሰያት ነጋድያን ተስፋ ሓቢርና ንጸሊ - ቢሎም - ምእንቲ ስድራቤተን ፈተውተን ማሕበረሰበን ንጽሊ። እቲ ካብ ሞት ዝተንሰአ ኢየሱስ ኣብ ሰላምን ሓጐስን መንግስቱ ሓንጐፋይ ቢሉ ይቀበለን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ብግምት ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ድሕሪ ዝተኻየደ ኣምልኾ ቅዱስ ቁርባን ብፈረንሳይና ብእንግሊዘይና ብስጳይናን ብጣልያንን ብፖርቱጋልን ጀርመንን ፖላንድን ከምኡውን ብቛንቋ ላቲን ብዝቐረበ መደብ ምስክርነት መዝሙርን ጸሎትን ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ዋዜማ ኢዮቤል መንሰያት ዕለት 2 ነሓሰ
03 Aug 2025, 13:24