ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሰላም ኣብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ፣ ሓርነት ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዩክሬን ክግበር ተስፋ ዝተነብረሉ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹስን ሰላምን፣ ፍታሕ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጥምየትን ኣብ ቓዛ፣ ኣብኡ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ምፍታሕ ኣገዳስነቱን ከምኡ እውን ዕላማታት ቅድስቲ መንበር “ብውግእ ዘይኮነ ብልኡም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ” ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ምስ በጽሑ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ከም ዘረጋገጹን፣ ቅዱስነቶም ክሳብ ዕለት 19 ነሓሰ ካልኣይ እዋን ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ኣብ ጋስተል ጋንደሎፍ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ከሕልፉ እዮም። ቅዱስነቶም ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ምስ በጽሑ ነቶም ንክቕበልዎም ዝተኣከቡ ብዙሕት ሰባት ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ፣ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጋዜጠይናታት ንዘእቕረበሎም ሕቶ እውን መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኩሉ ግዜ ዘተን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ምድላይ
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 15 ነሓሰ ዋዕላ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ርእሰ ብሔር ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን እንታይ ትጽቢት ከምዘለዎ ምስ ተሓተቱ፡ "ኩሉ ግዜ ተኹሲ ደው ምባል ክንደሊ ኣሎና። እቲ ዓመጽ፡ እቲ ብዙሕ ሞት፡ ደው ክብል ኣለዎ። ከመይ ገይሮም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ምርኣይ የድሊ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ዕላማ ኲናት ኣብ መወዳእታ እንታይ እዩ? ወትሩ ዓመጽን ኣጽዋርን ክንነጽግ፣ ዘተ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘቐድም ጻዕርታት ሓለፋ ክንብል ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ህዝቢ ቓዛ ናይ ምስጓግ ተኽእሎታት የሻቕለኹም ዶ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፣ “ኣዝዩ የሻቕለኒ - ቢሎም - እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍታሕ ኣለዎ። ከም ዘለዎ ኮይኑ ክንቅጽል ክንፈቅድ የብልናን። ዓመጽ ግብረሽበራ ንፈልጦ ኢና፡ ከምኡ’ውን ነቶም ዝሞቱ ግቡእ ክብሪ ክወሃቦምን ጅሆ ዝተታሓዙ ሓራ ክወጹ ኣለዎም። ብዛዕባ እቶም ብጥሜት ዝሞቱን ዝሳቐዩን ዘለዉ ብዙሓት’ውን ክንሓስብ ኣሎና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብኲናት ዝፍታሕ ጸገም የሎን
ኣብ መወዳእታ ቅድስቲ መንበር ነዝን ካልእን ግጭታት ደው ንምባል እንታይ ትገብር ኣላ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፣ “ቅድስቲ መንበር ደው ከተብሎ ኣይትኽእልን እያ . . . እንታይ ደአ ዘተን ልኡም ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ’ ክምእክል እያ እትሰርሕ፣ ኩሉ ግዜ መፍትሕታት ብዘተ ብዘይጎነጻዊ ምርጫታት ኣብ ምድላይ ክስጎም ትዕድም፣ ተተባብዕ። ምኽንያቱ እዚ ጸገማት ብኲናት ዝፍታሕ ኣይኮነ፣ ብኩናት ዝፍታሕ ሕቶ የሎን!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እግዚኣብሄር ንኩሎም ህዝብታት ሰላሙ ይጸግው
ኣቐዲሞም ቅዱስነቶም ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ንዝተረኽቡ ሰላምታ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፣ “ኣብተን ብኩናትን ዓመጽን ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ንዝርከቡ ህዝብታት ኣቓልቦ ክግበር ብምዕዳም፡ “ንዅሎም መዓት ኲናት ዘጋጥሞም ዘሎ ህዝብታት ሰላም ክህቦም በቲ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ ዝውዕል ፖላንዳዊ ቅዱስ ማክሲሚሊያን ኮልበ ኣማላድነት ንኣምላኽ ንለምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ቅዳሴን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሓያሎ ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታት ክህልዎም ከም ዝኾነን፣ ዓርቢ ዕለት 15 ነሓሰ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም፡ ሰዓት 10፡00 ንግሆ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቁምስና ቅዱስ ቶማስ ቪላኖቫ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም፣ ሰዓት 12፡00 ድማ ኣብቲ ኣብ ጋስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ናይ ሓጋይ ጳጳሳዊ ህንጻ ኣፈት ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሓርነት ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በጻሕትን ነጋድያንን ሓቢሮም ጸሎት መልኣኽ መልኣኽ ክመርሑ እዮም።
ኣብ ኣልባኖ: ቅዳሴን ምሳሕን ምስ ድኻታት
ሰንበት ዕለት 17 ነሓሰ ሰዓት 9፡30 ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 እቶም ብሃገረ ስብከት ጨንፈር ካሪታስ ዝሕገዙ ድኻታት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኣልባኖ ላዝያለ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስቲ ማርያም ዘሮቶንዳ ከዕርጉን ሰዓት 12፡00 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሓርነት ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕትን ሓቢሮም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ክደግሙ እዮም። ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ጳጳሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማእከል ‘ስቡሕ ኣንተ ' ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ምስ ዝእለዩ ድኻታት ናይ ምሳሕ መኣዲ ክቋደሱ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።