ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣብ ዘተ ክንጸንዕ ‘መንፈስ ሄልሲንኪ’ ክዕቀብ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ናይ ሓጋይ ዕረፍቶም ንፈለማ እዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 30 ሓምለ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ “ዕለት 1 ነሓሰ መበል ሓምሳ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ሄልሲንኪ” ክዝከር ምዃኑ ገሊጾም፣ "ኣብ ትሕቲ ዝሑል ኲናት ድሕነት ንምርግጋጽ ብዝነበረ ድሌት ዝተደፋፍአ፣ ሰላሳን ሓሙሽተን ሃገራት ሓድሽ ናይ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ዘመን ከም ዘበገሳን፡ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ከዓቢ እውን ከም ዝገበራ ኣዘኻኺሮም፣ እቲ ናይ መወዳእታ ውዕል ሄልሲንኪ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ስምምዕ ሄልሲንኪ ዕለት 1 ነሓሰ 1975 ከም ዝተኸተመ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዚ ኣዋጅ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ምብራቓውን ምዕራባውን ዓለም ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ተባሂሉ ምዕራባውያን ሓይልታት ከምኡ እውን ሕብረት ሶቭየት ነበር ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዋዕላ ጸጥታን ምትሕብባርን (CSCE) ዝኸተምዎ ታሪኻዊ ስምምዕ ምዃኑ እውን ይዝከር።
ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ እንኮ መንገዲ ክኸውን ኣለዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም፣ እቲ ውዕል "ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዳግማይ ትኹረት ምሃብ እውን ዘመልክት ምዃኑን፡ ብፍላይ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኣቓልቦ ምሃብን፡ ሓደ ካብ መሰረታት ናይቲ ሽዑ ዝቕልቀል ዝነበረ ካብ ቫንኮቨር ክሳብ ቭላድቮስቶክ ዝዝርጋሕ መሰረት ዘንበረ ስነ ንድፊ ምትሕግጋዝ ተባሂሉ ዝግለጽ እውን ምዃኑ ኣብሪሆም። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብናይ ሽዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካሳሮሊ ዝተወከለት ቅድስቲ መንበር ኣብ ጉባኤ ሄልሲንኪ ንጡፍ ተሳትፎኣ "ፖለቲካውን ግብረ ገባውን ተወፋይነት ንሰላም ንምድንፋዕ ከምዝሓገዘ" ኣመልኪቶም፣
“ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ‘መንፈስ ሄልሲንኪ’ ምዕቃብ፡ ኣብ ዘተ ምጽናዕ፡ ምትሕግጋዝ ምሕያልን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ መንገዲ ምግባርን ኣገዳሲ እዩ”
እንክብሉ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣