MAP

2025.08.12 Caritas Albano 2025.08.12 Caritas Albano 

ካሪታስ ኣልባኖ፦ ድኻታትና ንመጀመርታ ግዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መዓዲ ዝቕመጡ ክኾኑ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 17 ነሓሰ ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዕራጐም፣ ምስቶም ካብ ሰበኻ ኣልባኖ ዝመጹ ኣስታት 100 ዝዀኑ ድኻታት ናይ ምሳሕ ዕንግዶት ክኻፈሉ ኢዮም፣ ዳይረክተር ካሪታስ ኣልባኖ ከም ዝገለጾ ድማ 'ኵሎም እዞም መሳኪን ድኻታትና ምስ ቅዱስነቶም ንምዝርራብን ታሪኾምን ቃልሲታቶምን ንምክፋልን ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበዩ ዘለዉ' በለ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓራዊ መንፈስን ድንጋጽን ዘንጸባርቕ ናይ ፍቕሪ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቶም ኣብ ሰበኻ ኣልባኖ ላዚዮ ዝርከቡ ኣጋይሽ ማሕበር ካሪታስ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ጳጳሳዊ መንበሪ ገዛ ካተርል ጋንዶልፎ ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ  ህድኣት ዝመልኦ ፍሉይ ቦታ ናይ ምሳሕ እንግዶት ክገብረሎም ኢዮም። እዚ ዝመጽእ ሰንበት ዕለት 17 ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣጋታጢ፣ ደድሕሪ እቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርሕዎ ክኸውን ኢዩ፣ ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዝነብሩ መሳኪን ኸኣ ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ ክዀኖም ኢዩ።

እቶም ኣጋይሽ ነቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ናይ መኣዲ ምሳልያዊ ዛንታታት ብምዝካር ነቲ ኣጋጣሚ ብሃንቀውታ ኢዮም ተዳልዮም ዝጽበይዎ ዘለዉ። ብዙሓት ካብኣታቶም ከአ ልክዕ ሰዓት 9 30 ቅ. ቐ. ኣብቲ ኣብ ኣልባኖ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘሮቶንዶ ዝዓርግ መሥዋዕ ቅዳሴ ክሳትፉ ኢዮም፣ እታ ቤተ-ክርስትያን ንእሽቶ ክንዲ ዝዀነት ኵሎም እቶም ዕዱማት ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኺሳተፍ ኣይክእሉን ኢዩ።

ቦርጎ ስቡህ አንተ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ
ቦርጎ ስቡህ አንተ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ

እቲ ነዚ እንግዶት ብሓላፍነት ዝከታተል ዘሎ ኣሌስዮ ሮሲ ዳይረክተር ካሪታስ ንኣገዳስነት እቲ ፍጻመ ኣመልኪታ መግለጺ ከም ዝሃበት ዜና ቫቲካን የመላኽት ። ሮሲ ኣብ መግለጺኣ "እቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ምሳሕ እንግዶት ዝሳተፉ መሳኪን ድኻታት ነብስኻ ናይ ምሕጻብን ጽሩይን ጽቡቕን ክዳውንቲን ሓገዛት እውን ክግበረሎም ሓቲቶም ኣለዉ" በለት ።

ሮሲ ኣብቲ ምስ ዳንየለ ፒሲኒ ዝበሃል ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እቲ እተገብረ ምድላዋትን ድሕረ-ባይታ ናይቲ ኣጋጣምን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምሳሕ እንግዶት ዝግበረሎም ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣጋይሽ ሰፊሕ መግለጺ ሃበት። እቶም ኣጋይሽ በቲ ኣብ ኣልባኖ ዚርከብ ኣፍ ደገ ፒያሳ ፒያ ኣቢሎም ናብ ጳጳሳዊ መንበሪ ገዛ ኪኣትዉ እዮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን እቶም ኣጋይሻምን ከአ ኣብ ሓደ ነዊሕን ሓባራዊን ሰደቓ መኣዲ ክእንግዱ እዮም። ኣብቲ ኸባቢ ብዝርከቡ ቤት መግንብ እንዳ ሻሂታትን ከአ መኽፈቲ ሸውሓት ካልእ እተፈላየ ምግብን ኺዳሎ እዩ ።

ጳጳስ ሰበኻ ኣልባኖ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ቪቫ
ጳጳስ ሰበኻ ኣልባኖ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ቪቫ

እቲ ንምሳሕ ዚቐርብ ፓስታን ካልእ እተፈላለየ ኣሕምልትን ከአ ካብ ስፍራ ኣታኽልቲ ፓርሜሳን ዝተቐረበ እንቋቝሖ እተጠብሰ ስጋን ፍረታትን ሰላጣን ከምኡውን ባህላዊ ካልእ እተፈላለየ ምቁር ምግቢ ዜጠቓልል ክኸውን እዩ። ኣቐዲሙ ቅድሚ ምሳሕ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ሸውሓት መኽፈቲ ምደባት ክቐርበሎም ኢዩ።

እዚ ናይ ምሳሕ እንግዶት ሓሳብ እዚ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዕለት 20 ሓምለ ናብ ኣልባኖ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝተበገሰ ድማ ኢዩ። ሮሲ ከም ዝገለጸቶ ቅዱስ ኣቦና ምስ ድኻታት ኪራኸቡ ድላይ ከም ዘለዋ ንብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ቪቫ ገለጸትሎም፣ ንሶም ድማ ብወገኖም ነዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ኣካፈልዎም። እቲ ቅድስቲ መንበር ከአ ኣብ ቤተ-መቕደስ ሳንታ ማሪያ ዘሮቶንዳ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕርጉን ብምርግጋጽ ስዒቡ ድማ ኣብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ናይ ምሳሕ እንግዶት ምቅዱስ ኣቦና ከም ዝዳለወሎም ኣመልከተት።

ሓልዮት ድኻታት ኣብ ካሪታስ ኣልባኖ ኣብ 2014
ሓልዮት ድኻታት ኣብ ካሪታስ ኣልባኖ ኣብ 2014

እቶም ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣጋይሽ ኣብቲ ካሪታስ ኣልባኖ ዘገልግለሉ እተፈላለየ መዕቈብታትን ማሕበራዊ ኣባይቲን ዚነብሩ ተቐማጦን ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ኣንዝዮ ኔትቱኖ ከምኡውን ኣልባኖ ዚርከብ መዓልታዊ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ማእከላት መሳኪንን ድኻታትን ዚነብሩ ውልቀ-ሰባት ዝርከብዎ ኢዮም።

ሮሲ ኣብ መግለጺኣ ነቲ ኻብ ቻምፒኖ ኽሳዕ ኔቱኖ ዚዝርጋሕ ሰበኻ ዝርከብ እተፈላለየ ማሕበረ ሰብኣዊ ብድሆታት ጸገማትን ውን ኣጕልሐት። ከም እኒ ኣንዝዮ ኣርደያ ቶር ሳን ሎረንዞ ቶርቫያኒካ ዝኣመሰሉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዚነብሩ ሰባት፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት የድልዮም እዩ። ኣብ ከባቢ ካስተሊ ሩማንያ ስራሕ እናሃለዎም ክነሱ ድራር ዕለቶም ንምምእራር ኣብ ዝቃለሱ "ድኻታት" ስድራቤታት ድማ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ መግለጺኣ።

ተጠወርቲ ድኻታት ኣብ ማሕበር ካሪታት ኣልባኖ
ተጠወርቲ ድኻታት ኣብ ማሕበር ካሪታት ኣልባኖ

ብ2024 ካሪታስ ኣልባኖ ን49,500 ዝኾኑ ሰባት እንተላይ ን3,580 ስድራ ቤታት ሓጊዝዎም፣ ልዕሊ 48,000 ምግቢ ኣዳልዩ፣ ልዕሊ 4,480 ቍርሲ ድማ ዓዲሉ ። ማእከል ክንክን ጥዕና ካሪታስ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ኣዋርሕ 2024 ን473 ዝኾኑ ሰባት ነጻ ኣገልግሎት ጥዕና ለጊሱ ኢዩ።

እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝግበር ናይ ምሳሕ እንግዶት ልባውን ናይ ፍቕሪ ምትእኽኻብ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ሮሲ ወስኻ "ኣብ ናይ ሓቂ መንፈስ ካሪታስ ምሉእ ብምሉእ ከም ስድራ ቤት ዝኸውን ሃዋህው ክንፈጥር ንደሊ ኢና" በለት። እቶም ኣጋይሽ ታሪኽ ህይወቶምን ጸገማቶምን ንጳጳስ ኬካፍልዎም ብጣዕሚ ተሃንጥዮም ኢዮም ዘለዉ፣ እዚ ኸኣ ብሓቂ ፍሉይ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ።

13 Aug 2025, 16:33