MAP

2025.08.06 ዕለት 14 ነሓሰ፡ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም 2025.08.06 ዕለት 14 ነሓሰ፡ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም  (© Uisg)

ዕለት 14 ነሓሰ፡ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም

ዓለም ለኸ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት (UISG) ኣብ ዋዜማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዕለት 14 ነሓሰ 2025 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዘለዋ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር፣ - ካብ ቓዛ ክሳብ ሱዳን፡ ካብ ዩክሬን ክሳብ ሚያንማር፡ ካብ ሃይቲ፡ ክሳብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ.፡ ክሳብ ሶርያ - ኲናት ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ህዝብታት ኣብ ዘሳቕየሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ዋዜማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ፍልሰታ ለማርያም ዕለት 14 ነሓሰ 2025 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ህጹጽ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ከም ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም፡ ኣብ ወሰናስን ዓለምን ኣብ ስቓይ ሰብኣውነት ህልዋት ምዃንና - ድምጽና ከነስምዕ፡ ልብና ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ክንጽልን ስጉምቲ ክንወስድን ህጹጽ ኣድላይነት ይስምዓና።

ጸሎትን ምትሕግጋዝን ነቲ ኲናትን ምምዝባልን በደልን ዘምጽኦ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝትንክፍ ስቓይ ሓያል መልሲ እዩ ካብ ዝብል እምነት ዝነቐለ ጻውዒት ከም ዝኾነን፣ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኣብዚ መደብ እዚ ክጽንበሩ እቲ ናይ መላእ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር መግለጺ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

"ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ዝረአ ስቓይን ዕንወት ኣባይትን፡ ምብትታን ማሕበረሰባትን ህዝብታትን መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝያዳ ንከቢድ ስቓይ ዘቃልዕ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና

እታ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም፣ ብሰለስተ ጭቡጥ ተግባራት እትምራሕ ከም ዝኾነትን

- ብመንጽር እዋናዊ ውግኣትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ብሓባር ጸሎትን ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ NJያድ

- ፍትሕን ዕርቅን ምምህላ፣ በርገሳውያን ሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያንን መንገዲ ሰላም፣ ምፍታሕ ኣጽዋርን ምሕላው ሰብኣዊ መሰላትን ከተባብዑ ዝላበዉ

- ኣብ ጭቡጥ ምትሕግጋዝ ምውፋር፣ ነቶም ዝሳቐዩ ምእንጋድን ሰብኣዊ ሓገዝን ምትሕብባርን፣ ብዝብል

ብሰለስተ ጭቡጥ ተግባራት ዝምራሕ ከም ዝኾነን፣ ኣብቲ ዝቐረበ ጻውዒት"ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና! ሰላም ክህነጽ ኣለዎ - ብሓባር ክህነጽ ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉን፣ ኣብዛ ብዓመጽ እትልለይ ዓለም፡ ብርሃን ወንጌልን ፍትሕን ሕውነትን ሕጂ’ውን ክደምቕ ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ እምነትና ከነጎድል የብልናን ዝብል ሓሳብ ብምቕላሕ፣ ነታ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ዕለት 14 ነሓሰ መምርሒ ጸሎትን መግለጺታት ምትሕግጋዝን ሓዊሱ ኵሉ ዘድሊ ሓበሬታ

07 Aug 2025, 16:44