MAP

'ተቅባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ’ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ንክረምታዊ ዕረፍቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ፣ ንናይ መጀመርታ ክረምታዊ ዕረፍቶም ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ከዱ፣ ብዙሓት እሙናንን እንተላይ ሓያሎ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምልክት ምምጻእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ካስተል ጋንዶልፎ እቲ ዓቢይ ኣፍ ደገ ምስ ተኸፍተን ክልተ ወተሃደራት ስዊዝ ምስ ወጹን ተፈጺሙ። ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ክቕበልዎም ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ዝነበሩ ኸንቲባ እታ ኸተማ እውን ከይተረፈ፣ ካብ መኪና ወሪዶም ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ቅዱስነቶም ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ምስ ኰነ፣ ኣብቲ ኻብ ሮሜ 25 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ካስተል ጋንዶልፎ ዚበሃል ክረምታዊ መንበሪ ገዝኦም በጽሑ፣ ኣብኡ ድማ ክሳዕ 20 ሓምለ ንእተወሰነ እዋን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክወስዱ ኢዮም፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንሒደት መዓልትታት ኬዕርፉ ኢዮም።

ብዙሓት ሰባት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይጽበይዎም ከም ዝነብሩ

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቤተ-መዘክር ክኸውን ድሕሪ ምቕያሮም ንህዝቢ እተኸፍተ ቐንዲ ኣደባባይ ምስ በጽሑ፣ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገታት ዝመሱ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ሰላም ንምባል ንሒደት ሰዓታት ብህድኣት ሓለፉ።

ካልኦት ጕጅለታት ከኣ ከም መራሕቲ ሞተር ሳይክልን ካልኦትን ናብቲ ታሪኻዊ ማእከል ዚወስድ መገዲ ሳሊታ ዲ ሳንት ኣንቶንዮ ኽሳዕ ዚሓልፉ ተጸበይዎም። ሰንደቅ ዕላማታትን ጭርሖታትን ብምንብልባል ድማ "ቅዱስ ኣቦና እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም" ክብሉ ተቐበልዎም። ኣብኡ ድማ እተወሰኑ ሽማግሌታት ውን ከይተረፉ ክሳብ ናብኦም ዝበጽሑ ተጸበይዎም።

ምምጻእ ቅዱስነቶምን ድሙቕ ተቕባል ምእመናንን

እታ ቅዱስነቶም ተጻዒኖማ ዝነበሩ ማኪና ኽትሓልፍ እንከላ ድሙቕ ጣቕዒትን መዛሙራትን የሰንዮም ነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከአ ኻብ ኣፍ ደገ ቪላ ባርበርኒ ሒደት ርሕቀት ምስ በጽሑ ማኪናኦም ደው ኣቢኦሎም ናብቶም ሰባት ከዱ፣ እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሕዝቢ ከኣ ብክልተ ሸነኽ ናይቲ ጐዳና ኮይኖም ብድምቀት ተቐበልዎም። ቅዱስነቶም ድማ ንኹሎም ሰላም እናበሉ ብእግሮም በቲ ጐደና ሓለፉ፣ ኣባኡ ድማ ንገለ ህጻናትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግሌታትን ድማ ቀሪቦም ሰላም ይብልዎም ነበሩ።

07 Jul 2025, 17:53