MAP

ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መንገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መንገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ 

ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መንገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ወንጌላዊ ልኡኽን ጳጳስን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐሩ ዘገልገሉሉ ቦታታትን ዝበጽሕዎን ከም ላምባየከ፣ ላ ሊበርታድ፣ ፒዩራ፣ ካላኦትን ኣብ ዘጠቓልል ዞባታት ዝርከብ ኣባይቲ መዘክራት ንምምሕያሽን ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንምሕዳስን 130 ሚሊዮን ኤውሮ ከም ዝተዋፈረን እዚ ድማ “ንናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ፐሩ ህይወቶም ክብሪ ንምሃብ ምዃኑ ናይ ፐሩ ርእሰ ብሔር ዲና ኤርሲሊያ ቦሏርተ ዘጋራ ገሊጻ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣፍቀርቲ መንፈሳዊ ጉዕዞታት – ከም መገዲ ሳንትያጎ ኣብ ስጳይና፡ ከም መገዲ ፍራንቸስካውያን ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ -  መገዲ ፍራንኪጀና ዝፍለጥ፣ ካብ ካንተርበርይ ናብ ሮማ ዘብጽሕ መገዲ ንመንፈሳዊ ጉዕዝ ልክዕ ከምኡ ድማ – ብመገዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መስመር መንፈሳዊ ጉዕዞ ኣብ ፔሩ ክቐውም ከም ዝኾነን እዚ መስመር መንፈሳዊ ጉዕዞ እዚ፣ ፍራንሲስ ሮበርት ፕረቮስት ኣብታ ሃገር ከም ካህንን ልኡካነ ወንጌልን መምህር ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ከም ጳጳስን ዝተጓዕዙሉን ጉስነታዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙሉን ቦታታት ዝሓቁፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ
ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ

ጉዕዞ ብኣርባዕተ ዞባታት

እቲ መስመር ዕለት 21 ሓምለ ብሓንሳብ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ማለት ቺክላዮ፡ ትኺዮ፡ ቹሉካናስን ካላኦን ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ብቕደም ተኸተል፡ ላምባየከ፡ ላ ሊበርታድ፡ ፒዩራን ካላኦን ዝሓቖፈ ኮይኑ፣  እዚ መንፈሳዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብናይ ሃገረ ፐሩ ሽማግለ ምድንፋዕ በጻሕትን ሰደድን (PromPerú ) ዝተነቓቐሐ ኮይኑ፣ እዚ ወፍሪ እዚ ድማ “La Ruta de León - መገዲ ልዮን ዝብል መጸውዕ ዝተዋህቦ ከም ዝኾነን፣ እቲ ዕላማ ሃገራውን ዓለምለኻውን በጻሕቲ ኣብተን ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ጉዕዞ መስመራት ኣብ ዝምልከቶም ኣርባዕተ ዞባታት መስሕባት መንፈሳዊ ነጋድያንን በጻሕትን ንምትብባዕ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ
ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ

ገና ክግለጽ ዘለዎ መድርኻት

ኣብ ፐሩ ሚኒስተር ንግዲ ወጻእን መስሕብን ( Mincetur ) ደሲሉ ሌዮን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ዝርዝር ናይቲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ገና ኣብ ምዝዛም ከምዘሎ ኣነጺራ፣ "እዚ መዓልታት እዚ ኣብ ቺክላዮ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ናይ ምብጋስ ዕዮ ጽዑቕ ምንባሩ ሓቢራ፣ "ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን ዘገልገልሉ ዞባታት ዘሎ ጸጋታት መስሕብ ንምልላይን፡ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ቦታታት ዘሎ ዕቑር ሓይሊ መስህብ ግቡእ ዋጋ ንምሃብ ዝብል መደብ ዘጠቓልል እውን ምዃኑ ከም ዘፍለጠት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሃገራውን ከባብያውን ወፍሪታት

ኣሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሳላ መንግስታውን ዞባውን ወፍሪ፣ ኣብያተ ክርስቲያናት ንምሕዳስ፣ ቤተ መዘክር ንምስፋሕ፣ ተበጻሕነት ንምምሕያሽ፣ ንንግዳውያንን ኣፍረይትን፣ መቐበል ኣጋይሽን መዕቆቢታትን፣ ፍርያት መግቢ፣ ከምኡ’ውን ናይ ከባቢ ስርሓት ኢደ ጥበብ ንምልላይ ዝሕግዝ ዕድል ክኸውን እዩ። "ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣስታት 130 ሚልዮን ዩሮ መዲብና ኣሎና" ዝበለት ደሲሉ ልዮን ኣስዒባ፣ “እቲ ዝተረፈ ግን ካብ ዞባዊ መንግስታት ዝመጽእ እዩ። ዞባታት ካላኦ፡ ላ ሊበርታድ ምምሕዳር ወፍሪ ይግብሩ ኣለዉ፡ ኣብ ላምባየከ እቲ ዞባዊ መንግስቲ ኣብዚ ኣሰር ንወፍሪ ጸጋታት መዲቡ ኣሎ፡ ኣብዚ መደብ እዚ ሚኒስትሪ ባህሊ ንሃገራዊ ቤተ መዘክር ንምምሕያሽ ብዝብል ስራሕ ክሳተፍ እዩ፣ እዚ እውን ኣብ ሲካን ኣብ ቺክላዮ ዝርከብ ካቴድራልን ቤተ ጸሎት ቨሮኒካን ዝምልከት ኮይኑ ከምኡ እውን ክሳብ ቤተ መዘክር ቱምባስ ርያለስ ደ ሲፓን ዝሰፍሕ መደብ ምዃኑ ከም ዝሓበረት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ
ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ዝተወፈየ ኣብ ፔሩ መገዲ መንፈሳዊ ጉዕዞ

ንክብሪ ንር.ሊ.ጳ ልዮን

ናይ ሃገረ ፐሩ ርእሰ ብሔር ዲና ኤርሲሊያ ቦሏርተ ዘጋራ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፐሩ ዘገልገልሉ ቦታታት ዘራኽብ ናይ እግሪ ጉዕዞ መስመራት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፔሩ ምሕላፎምን "ንኹሎም ኣብ ማሕበረሰቦም ብርሃን ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣመንትን" ክብሪ ምዃኑ ኣስሚራ፣ "እዚ መደብ መንፈሳዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብጎደናታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝሓልፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝኽርን እምነትን ተስፋን ናይ ሓደ ምሕላም ምቁራጽ ዘይፈልጥን ሎሚ ብኹርዓት: ወዲ ፐሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሎና ክብል ዝኽእልን ህዝቢ'ውን ዝሓልፍ እዩ" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 Jul 2025, 17:37