MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቬትናማውያን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ፥ በይንኹም ኣይኮንኩምን!

ኣብ መበል 400 ዓመት ልደት እቲ ናይ መጀመርታ ሰማእት ተወላዲ ቨትናም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ቨትናም ንእምነትን ንስድራ ቤትን ዘለዎም ፍቕሪ ህያው ገይሮም ክሕዝዎ ዜተባብዕ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንዝኽሪ መበል 400 ዓመት ልደት ብጹዕ ኣንድሪው ፉ የን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቬትናማውያን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክስቱ ናይ ምስማዐ ርእየት  መልእኽቲ፣ ቅድሚ እቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ,ም, ኣብ ሮማ ዝካየድ ኢዮቤል ቅነ መንእሰያት፡ ንኹሎም ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ መላእ ሃገር ዝተዋጽኡ ነቲ ጸዋዕታ ዝተቐበሉ መንእሰያት፣ ብፍላይ “ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ውርሻ ብጹእ አንድሪው ፉ የን ብጸሎት ዝተጠርነፉ” ብምዃኖም ኣመጊኖም፣ ብዛዕባ ህይወት “ዓቢ ወዲ ቬትናም” ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ብጹእ አንድሪው “ድሕሪ ጥምቀቱ ነቶም ናብ ቬትናም ወንጌል ዘምጽኡ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ብዋጋ ዘይሽነን ተሓጋጋዚ” ምንባሩ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንቲ እምነት ሰማእት ዝኾነ

ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምስቲ ብጹዕ ቨትናማዊ ብኸመይ ከም ዝተኣስረን፡ እምነተይ ኣይክሕድን እንክብል ዝተቐበሎ ሰማእነት ዘረድእ ምዃኑን፣ ቅድሚ ምቅታሉ ናይ መወዳእታ ቃላቱ ስም ኢየሱስ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፣ አንድሪው ወዲ 19 ዓመት እንከሎ ህይወቱ መስዋእቲ ብምግባር ነቲ ክርስቶስ ዘቕረበሉ ናይ ፍቕሪ ጸዋዕታ ዝሃቦ ፍቕራዊ መልሲ ኣጒሊሖም፣ ድሕርዚ እቲ ዝሃቦ ምስክርነት ኣብ 2000 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቀዳሜ ሰማዕት ቨትናም ብዝብል ማዕርግ ብጹዕ እንክብሉ ከም ዝኣወጁን እዚ ሰማእት እዚ ሓላዊ ቕዱስ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ምዃኑ መጠን ነቶም እምነት ኣብ ምምሃር ዚዓዩ ኣብነት እቲ መንእሰይ ሰማእት ኪስዕቡ ተባዓት ክኾኑ ከማልደሎም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ቬትናም እናሓሰቡ፣ እቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ብኸመይ ንህጻናትን መንእሰያትን እምነት ንምምሃር ውፉያት መምሃራን ትምህርተ ርክስቶስ ዝተመልአ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ቨትናንም ወጻእን 64,000 ቨትናማውያን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘለዉ ብምዝኽኻር ነዞም ቨትናማውያን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ “መሰረታዊ ክፋል ሕይወት ሰበኻ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነቶም ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዜገልግሉ ሰባት ብምምስጋን፡ ብትምህርቶምን ኣብነቶምን “ንህጻናትን መንእሰያትን ናብ ዕርክነት ኢየሱስ ክስሕቡ” እንከለዉ “ነቲ ዘለዎም ውህበት ፈጺሞም ከየቃልልዎ” ተማሕጺኖም፣ “ህያዋን ምልክታት ፍቕሪ ኣምላኽ ክኾኑ ብቤተ ክርስቲያን ከም ዝተላእኩ፣ ከም በዓል ብጹእ አንድሪው ዝኣመሰሉ ትሑታት ኣገልገልቲ፣ ብወንጌላዊ ቅንኣት ዝተመልኡ” እንክብሉ ብምዝኽኻር፣ ብጹእ አንድሪው ንብጾቱ ክርስቲያን ኣብ እምነቶም ክጸንዑን ኣብ እዋን ማእሰርቱ እውን ክጽልዩሉን ከም ዘተባብዖም ዝንገር ምዃኑ ዘኪሮም፣ “ኵላትና ኣካል ክርስቶስ ኢና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስድራን ባህልን ሱር ዝሰደደ

ሕጂ’ውን ቅዱስነቶም ንቃላት ቅድሚኦም ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምጥቃስ፣ ሱር ኣገልግሎት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ውርሻ ስድራቤትን ባህልን ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ነቶም መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ስርሖም ንስድራቤቶምን ዓዶምን ዘለዎም ፍቕሪ “ህያው” ክገብሩ ኣተባቢዕዎም፣ እምነቶምን ባህሎምን “ብፍላይ እቲ ከም ብጹእ አንድሪው ኣብ መከራ ዝመስከሩን ኣብ እግዚኣብሔር ክትውከል ዝምህሩኹምን ወለድኹምን ኣቦ ሓጎታትኩምን ኣደ ሓጎታትኩምን ናይ እምነት ጅግንነት እዩ . . . ነዚ ትውፊትን ሱርን - ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ህያባት - ተጠቒሞም ኣብቲ እምነት ንኻልኦት ናይ ምክፋል ተልእኾ ክሕግዙ ተላብዮም፣ ንቬትናማውያን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ምስቶም ንኢዮቤል መንእሰያት ናብ ሮማ ዝመጹ መንእሰያት ነጋድያን ብመንፈስ ክጽንበሩን ምስቶም ኣብ ቬትናም ዘለዉ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እውን ክጥርነፉን ዓዲሞም። ንዓኣቶምን ኣገልግሎቶምን ናብ እግዚኣብሔር ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ ነቶም ጸዋዕታ ዝነበሩ ባሪኾም ናይ ብጽዕ አንድሪው ኣማላድነት ተማሕጺኖም መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Jul 2025, 17:52