ር. ሊ. ጳ. ንጋዜጠኛታት ረድዮ ቫቲካን ዘቕረቡሎም ሰላምታን ምስጋናን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ካብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ሓድሽ መደበር ራድዮ ብቐጥታ መደባት ንዘመሓላልፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ረድዮ ቫቲካንን - ዜና ቫቲካንን ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጋዜጠይናታት ረድዮ ቫቲካን ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተመረቐ መደበር፣ ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ዘመሓላልፉሉ ዝበሩ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ፍሉይ ሰላምታ ኣቕረቡሎም፣ ስለቲ ዕዮኦም ውን ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም።
ነቶም ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ እሙናት ኣብ ዘመሓላለፉሎኦም ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ንኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ሰላምታ ብምቕራብ፣ እዞም መራኸቢ ብዙሓን እዚኦም "ኣብዚ እዋን ዓመተ ኢዮቤል ምስ እመናንን ነጋድያን ምእንቲ ቅርበት ክህልዎም ኣብ ትሕቲ ገበላ በርኒኒ ንእሽቶ መደበር ምስቲ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ሃገረ ቫቲካን ከምኡውን ዜና ቫቲካን ብሕበረት ኣቚሞም ይርከቡ ኣለዉ።
ንዅሎም እቶም ኣብ 56 እተፈላለየ ቛንቋታት ብምክፋል "ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ዓለም ዘብጽሑ ዘለዉ" ንኣገልግሎቶም ብጣዕሚ የመስግን ኢየ ክብሉ ቅዱስ ኣቢና ዝለዎም ሞሳ ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ "ንዅሎም እቶም ኣብ ሰላምን ሓቅን እተመስረተ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረባት ኣብ ምኽፋት ኣበርክቶ ዝገብሩ ጋዜጠኛታት" ድማ ምስጋናኦም ገለጸሎም።
28 Jul 2025, 17:10