ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ናይ ሓድነትን ሕውነታዊ ግብረ ሰናይን መንገዲ ንምስዓብ ጸጋ ድለዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቭቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ናይቲ ንግደት ዕለት 17 ሓምለ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ናብ ሮማ፡ ቁስጥንጥንያ፡ ኒቅያ ዝግበር ንግደት፣ “ሓደ ካብቲ ብዙሕ ፍረታት ናይቲ ኣብ መንጎ ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምሉእ ሓድነት ንምምላስ ዝዓለመ ኤቁመናዊ ምንቅስቓስ እዩ - ቢሎም - ንግደት “ካብ ሮማ ናብ ሓዳስ ሮማ” ኣብ ዝብል ካብ ኣመሪካ ዝመጹ ሓምሳ ናይ ግሪኽ ስርዓትን ስርዓትን ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ናይ ቢዛንታይንን ናይ ላቲንን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነጋድያን ዝሓቖፈ ኣብ ኣመሪካ ብናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ኤልፒዶፎሮስን ናይ ኒውጀርሲ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጆሴፍ ቶቢን ዝምራሕ ኮይኑ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ እቲ ጕዕዞ "ናብ ምንጭታት ምምላስ" ሓሳብ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጾም ፣ እዚ ኸኣ ናብታ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ሰማእታት ዝነበሩላ ሮማ፣ ኣብ ቁስጥንጥንያ - ሎሚ ኢስጣንቡል ምስ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ እተተሓሓዘት፣ ኣብታ ቕድሚ 1700 ዓመት ናይ መጀመርታ ኤቁመናዊ ጉባኤ ዝተኻየደላ ኒቅያ ዘጠቓልል ምዃኑ ብምዝኽካር። ድሕርዚ እቲ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ 2025 እተገብረ ሓባራዊ በዓለ ፋሲካ ኣጕሊሖም፣ እዚ በዓል እዚ ኸኣ እቶም ነቲ ናይ ጎርጎርዮስን ዩሊዮስን ሊጡርጊያዊ ዓውደ - ኣዋርሕ ዝስዕቡ ሰባት ብሓባር ከም ዘብዓሉን፣ ንዅሎም ክርስትያን ክርቶስቶስ ተንሲኡ እዩ ሃሌ ሉያ እንክብሉ ብሓባር ከበስሩ ከም ዘብቀዖምን - "ክርስቶስ ተንሲኡ! ብሓቂ ተንሲኡ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እተን ቃላት፡ ካብ “ጸልማት ሓጢኣትን ሞትን” ክብጀወና “ዝተሰወአ ገንሸል” ኢየሱስ ስቓይን ትንሳኤን ዝእውጃ ምዃነን ድማ ሓቢሮም። ክርስቶስ ዝረኸቦ ዓወት “ብዓቢ ተስፋ የነቓቕሓና” ኣብ ርእሲኡ ድማ “ምስክርን ተሰከምቲ ተስፋን ክንከውን” ይጽውዓና፣ ነቲ ናይ ተስፋ ነጋዲያን ዝብል ናይ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዝብል ጭርሖ የዘኻኽረና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ጉጅለ ናብ ቁስጥንጥንያ ዘካይዶ ዑደት እናሓሰቡ፣ ኣብ ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ፡ ዳግማይ ብኣካል ክራኸቡ ተስፋ ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ ነቶም ነጋድያን ንናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ ሰላምታኦም ከብጽሑሎም ድማ ሓቲቶም፣
ድሕርዚ ቅዱስነቶም ነቲ እታ ጕጅለ እተካይዶ ንግደት ሓደ ካብቲ "ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እተራእየ ቲዮሎጊያዊ ዕቤትን ምይይጥን ግብረ - ሰናይ ድሮ ዘንጸባርቕ" ምልክት እዩ እንክብሉ ገሊጾም፣ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ እቲ ኣብ 1054 ኣብ መንጎ ሮሜን ቁስጥንጥንያን ዝነበረ ርክብ ተበቲኹን ዝተበጽሐ ዘሕዝን ሓድሕዳዊ ምውግጋዝን ዘወገደ ሓባራዊ ኣዋጅን ርክብን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ኣቴናጎራስ ዘኪሮም። “ብወገንና ንሕና እውን ካብ ጰራቅሊጦስ መጸናንዒ መንገዲ ሓድነትን ሕውነታዊ ፍቕርን ክንስዕቦ ጸጋ ክንልምን ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል ክልተ ሽሕ ዓመት ዝኽሪ ድሕነት እናሓሰቡ፣ ሓዋርያት “ክሳብ ወሰን ምድሪ” ንክርስቶስ ንምምስካር ቅድሚ ምኻዶም ናብታ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉላ ኢየሩሳሌም እናሕሰብና “ብመንፈስ ኩላትና ናብ ኢየሩሳሌም፣ ከተማ ሰላም ክንምለስ ይግባእ፣ “ናብ ሱር እምነትና ምምላስና ንኹላትና ህያብ ምጽንናዕ እግዚኣብሔር ከም እንረክብን ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ዘይቲ ምጽንናዕን ወይኒ ሓጐስን ኣብ ልዕሊ ናይ ሎሚ ሰብኣውነት ከነፍስስ ብቑዓት ይገብረና” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።