ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ መጥቃዕቲ ቁምስና ቓዛ ምስ ፓትርያርክ ፒዛባላ ብስልኪ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ምስ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ሳልሳይ፡ ናብታ ኣብ ቓዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቁምስና ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ቅዱስ ኣቦና ብስልኪ ምስ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ቅርበቶም ጸሎቶምን ደገፎምን ከምኡ’ውን ተኹሲ ደው ምባል ጥራይ ዘይኰነስ እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ደው ክብል ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ዘለዎም ብርቱዕ ድላይ ከም ዝገለጹሎምን፣ ብተደጋጋሚ ነቲ ብዙሓት ዝቐትልን ዘድምን ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመ ደው ንምባል እዋኑ ከምዝኾነን እቲ ዘጋጠም ዘሎ ምኽንያታዊ ከምዘይኮነ፣ ድሕሪ ደጊም ግዳያት ከምዘይህልዉ ከነረጋግጽ ከምዘለና ብተደጋጋሚ ከም ዝገለጹሎም፣ ፓትርያርክ ፒዛባላ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብጹዕነቶም ብስም መንበረ ፓትርያርክ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እየሩሳሌምን ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ቅድስቲ መሬትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዘረጋገጹሎም ጸሎትን ቅርበትን ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኩነታት ቓዛ ዘለዎም ስክፍታ
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ቓዛ ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቆሞስ ኣባ ሮማነሊ ብስልኪ ይራኸቡ ክም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፣ ዕለት 17 ሓምለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ እቲ ኣብ ሎዕሊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለገራም መልእኽቲ፣ ነቶም ግዳያትን ኩሉም ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ዝተዓቖቡን ጽሎቶም ኣረጋጊጾ፣ ቅዱስነቶም “ጻውዒት ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል” ከም ዘቕረቡን፣ “ኣብቲ ዞባ ዘተን ዕርቅን ነባሪ ሰላምን ክህሉ ዓሚቝ ተስፋ” ከምዘለዎም እውን ገሊጾም ከም ዝነበሩ ይሕብር።
ኤቁመናዊ ዑደት ኣብ ቓዛ
ፓትርያርክ ፒዛባላን ቴዎፍሎስ ሳልሳይን ዕለት 18 ሓምለ ናብታ መጥቃዕቲ ዝወረዳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ዑደት ከም ዝገበሩን፣ “ኣብ ጎኒ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተሃስዩ ደው ክብሉ” ምዃኖም ከም ዝረጋገጹ ምስ ሰብኣዊ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንማሕበረሰብ ክርስትያንን ካልኦት ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ኣማኢት ቶን ዝቑጸር ሓገዝ መግቢ፡ ቀዳማይ ረድኤትን መሳርሒታት ሕክምናን ንምርካብ እውን ወትሩ ከም ዝንቀሳቐሱን፣ “ፓትርያርክ በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ካብ ቓዛ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ትካላት ሕክምና ክግዕዙ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹን፣ ኣብኡ ድማ ክንክን ክረኽቡ እዮም ከም ዝበሉ እቲ መገልጺ የመላኽት።
ንውሕስነት እቲ ምብጻሕ ንጥፈታት ኩናት ደው ክብል እውም ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፣ “መንበር ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌም ንማሕበረሰብ ክርስትያንን ንመላእ ህዝቢ ቓዛን ኣብ ዘለዎ ተወፋይነት ጽኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፣ “እቲ ህዝቢ ኣይክርሳዕን ንበይኑ ኣይክሕደግን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምልኾ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ይኹንኑ
ብፍሉይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ፓትርያርክን መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብ ቁስምና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቓዛ ተዓቝይቦም ንዘለዉ ኩሎም ቅርበቶም ደገፎምን ንምግላጽ
"ብዘይሕለል ሓድነት ነዚ ገበን ብትሪ ንኹንኖ፣ ኣባይቲ ኣምልኾ ብውሑስ ክሕለዉ ዝግበኦም ቅዱሳት ቦታታት እዮም። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ እውን ይሕለዉ። ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 600 ስደተኛታት ዘዕቆበ ቤተክርስትያን ዒላማ ምግባር ነዞም ሕግታት ምጥሓስ እዩ። ንክብሪ ደቂ ሰባት ንዕቐት ንቅድስና ህይወት ሰብ ምርጋጽ እዩ . . . ከም ዝበሉን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ንማሕበረሰብ ቓዛ ጸሎቶም ብምርግጋጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ቓዛ ንውሳኔ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ክደፍኣሉ ጸዊዖም፡ እዚ ድማ ነቲ ኲናት ኣብ መወዳእታ ዘብጽሕ ምዃኑ ንኣምን - ምስ በሉ - ብተወሳኺ ንዅሉ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ቦታታት ሓለዋ ክገብሩን ነቲ ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ብጥሜት ንዝሳቐ ዘሎ ሓፋሽ ረድኤት ክገብሩን ንምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።