MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት የሐድሱ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት የሐድሱ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት የሐድሱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቓዛ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ብሰራዊት እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ሓያሎ ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘጋጠሞምን ምስ ሰምዑ ነቲ ናይ ከባቢ ህዝብን ንማሕበረሰብ ቁስምና ቅድስቲ ስድራ ቤትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለገራም ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ልዕሊ ቁምስና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ቓዛ “ህጹጽ ተኹሲ ደው ክብል” ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐዲሶም፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ሞትን መጉዳእትን ዘሕደረሎም ዓሚቝ ሓዘን ገሊጾም። መንፈሳዊ ቅርበቶም ነቶም በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝቖሰሉ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ቆሞስ ኣባ ጋብሪኤል ሮማነሊን ንመላእ ኣባላት እታ ቁምስና ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና እቶም ዝሞቱ ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል እግዚኣብሔር ኣማሕጺኖም ንዝተጎድኡ ቅልጡፍ ሕውየት ተመንዮን ኣባላት ስድራ ቤቶም ፍቑራቶም ንዝሰኣኑ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ክረኽቡ ጸሎትም ምዃኑ ኣረጋጊጾም፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንሰላምን ተኹሲ ምቁራጽን ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት፣ "ኣብቲ ዞባ ንዘተ፡ ዕርቅን ነባሪ ሰላምን ዘለዎም ዓሚቕ ተስፋ" ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ቓዛ ልዕሊ 60,200 ሰባት (58,313 ፍልስጤማውያንን 1,983 እስራኤላውያንን) ከምዝተቐትሉ ዜና ቫቲካን ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

18 Jul 2025, 17:28