MAP

Air force training aircraft crashed into Milestone College campus, in Dhaka Air force training aircraft crashed into Milestone College campus, in Dhaka 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ ነፋሪት ባንግላድሽ ጸልዮም

ሓንቲ ናይ ሃገረ ባንግላደሽ ነፋሪት ውግእ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ድሕቲ ምውዳቓ፣ በዚ ሓደጋ እዚ ድማ እንተ ወሓዱ 31 ሰባት ህይወቶም ብምስኣኖም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ነቶም ዝተጐድኡ ሰባትን ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ምሕረተይና ፍቕሪ ኣላኽ ብሕድሪ አወፍዮም ኣሎኹ" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብሰንኪ እቲ ኣብ ባንግላድሽ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት "ኣዝዩም ከም ዝጐሃዩ" ገሊጾም።

ሓንቲ ኻብ ሓይሊ ኣየር ባንግላደሽ ዝዀነት ነፋሪት ውግእ፣ ኣብቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ ዳካ ዚርከብ ቤት ትምህርትን ኮሌጅን ድሕሪ ምውዳጣ ኣስታት 31 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ "ነቶም ዝሞቱ ሰባት ኩሎም ናብቲ ዅሉ ዚኽእል ምሕረተይና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሕድሪ አወፍዮም ኣሎኹ" ክብሉ ቅርበቶም ገለጹ።

እታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተፈረመት መልእኽቲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ኣብዚ ከቢድ ግዜ ሓዘኖም ምጽንናዕ ንኽረኽቡ ከምኡውን እቶም ዝተጐድኡ ሰባት ንኽሓውዩን ንኽጸናንዑን ይጽልዩ ኣለዉ" ክትብል ተመልክት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንዅሎም እቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተተንከፉ ሰባት መለኮታዊ በረኸትን ሰላምን ምጽናንዕን ክበጽሖም ድማ ንጸሊ" ክብሉ ይድምድሙ።

ሓደጋ ነፋሪት ባንግላድሽ
ሓደጋ ነፋሪት ባንግላድሽ   (ANSA)

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ

እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ርእሲ ኸተማ ባንግላደሽ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ሓደጋ ነፋሪት ኢዩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ሓንቲ ፍልይቲ ዓይነት ስርሓት ቻይና ዝኾነት ናይ ውግእ ነፋሪት F-7 BGI እትሰምየት፣ ናብቲ ኣብ ከባቢ ዳካ ኡታራ ዚርከብ ቤት ትምህርትን ኮሌጅን ወደቐት።

ብመሰረት ወተሃደራት ባንግላደሽ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ሓደ ኻብቶም ዝሞቱ ሰባት ኢዩ፣ 171 ሰባት መብዛሕትኦም ተመሃሮ ቈሲሎም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ብሓዊ ነዲዶም እዮም እተረኽቡ።

እቶም ወተሃደራዊ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ እታ ነፋሪት ልክዕ ሰዓት 1፡06 ድ. ቐ. ካብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቂ ኤ.ከይ. ካንዳካር ካብ ጥቓ እቲ ብዙሓት ተቐማጦ ዚነብሩሉ ኸባቢ ኩርሚቶላ ከም እተበገስትን ነዊሕ ከይጸንሐት ወዲቓ ከም እተቓጸለት ገለጹ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ብዝሕሰብ ካብ ዝርከበሉ ቦታት ክኣልያ እኳ እንተ ፈተነ ምስ ሓደ ክልተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ተጋጭያ ከም ዝወደቐት የመላኽት።

ስዒቡ ድማ እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ እታ ነፋሪት "ተክኖሎጅያዊ ጕድለት" ከም ዘጋጠማ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ላዕለዋይ ኮሚተ ሓይሊ ኣየር ባንግላድሽ ነቲ ምኽንያት ክምርምር ምዃኑ የረጋግጽ።

23 Jul 2025, 12:19