MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ኣብ ዒራቅ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ኣብ ዒራቅ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ኣብ ዒራቅ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለገራም፡ ነቶም ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ማእከል ዒራቕ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓቂ ንዝሳቐዩ ዘለዉ መንፈሳዊ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፣ ነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞቱ ድማ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዒራቕ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንዝተጎድኡ “መንፈሳዊ ቅርበቶም” ኣረጋጊጾም፣ ብፍላይ ምስቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተጎድኡን ምስ ስድራ ቤት እቶም ፍቱዋቶም ዝሰኣኑን ዘለዎም ቅርበት ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታም ዝተነበሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለገራም፣ “ንነፍሳት ምዉታት ናብ ፍቕራዊ ምሕረት እቲ ልዑል ፈጣሪ አቕርብ፡ ነቶም ሓገዝ ዘቕርቡ ዘለዉ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ድማ ጸሎተይ አረጋግጽ - ቢሎም - ኣብ ልዕሊ ኩሎም መለኮታዊ በረኸት ሓይልን ምጽንናዕን ሰላምን እምሕጸን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምብራቓዊ ዒራቕ ኣብ ዞባ ዋሲት ኣብ እትርከብ ከተማ ኩት ኣብ ዘሎ ሓድሽ ማእከል ዕዳጋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፣ ብውሕዱ 69 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 11 ሰባት ደሃዮም ከም ዘይተረኽንበን፣ ኣብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ዝተኸፍተ ዓቢይ ሓድሽ ማእከል ዕዳጋ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን  ብሸመቲ መሊኡ ከም ዝነበረን፣ ጉጅለ ሓይሊ ምክልኻል ሓደጋ 45 ሰባት ካብ ውሽጢ እቲ ማእከል ዕዳጋ ከውጽኡ ከም ዝኸኣሉን ክሕበር እንከሎ፣ ኣመሓዳሪ ከተማ ዋሲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ዘሕዝንን መዓትን በጺሑና” ብምባል፡ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ከም ዝኣወጀን፣ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምርመራ ተጀሚሩ ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ውጽኢት ምርመራ ክቐርብ እዩ እንክብል ቃል ከምዝኣተወን ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ዒራቕ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ ኣስዒቡ ድሮ ኣብ ልዕሊ ወናኒ እቲ ማእከል ዕዳጋ ናይ ክሲ መዝገብ ከም እተኸፍተ የመላኽት።

19 Jul 2025, 17:46