ዕዮ ገዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ፔሩ፡ 'ብስራት ክርስቶስ ኣብጽሑ!'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንመንእሰያት ኣብ ዝተወፈየ መዓልታት ኢዮቤል ንኽሳተፉ ካብ ፐሩ ንዝመጹ መንእሰያት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ "ናብ ፔሩ ምስ ተመለስኩም ንከተማታትን ዞባታትን ፐሩ ብሓጎስን ሓይልን ወንጌል፡ ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ከተዕለቕልቕወን እምነ፣ ከም ነጋድያን ተስፋ" ምስ ካልኦት ኣሽሓት መንእሰያት ብምርኻብ፣ ነቲ ናይ ቅዱስ ዓመት መደብ ብሓባር ከተብዕሉ ድሉዋት ኴይንኩም ናብዚ ምምጻእኩም ዘሐጉስ እዩ - ቢሎም - ምሳኹም ኣብዚ ክራኸብ ነዚ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮ ጉዕዞ ንኽከኣል ብዓቢ መስዋእትነትን ጻዕርን ዝሓገዙ ስድራ ቤቶምን ካብ ሰበኻዊ ማሕበረሰቦም ዝመጹ ብዙሓት መንሰያት የዘኻኽረኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስድራ ቤተ ክርስቲያን
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ዕለት 28 ሓምለ እተነበ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 13, 31 – 35 እተወስደ ምንባብ እንከስተንትኑ፣ "ንሕና'ውን ንኣሽቱ ኢና፡ ግና በይንና ኣይኮናን . . . ጐይታና ኣባል ሓንቲ ዓባይ ስድራቤት ማለት ስድራቤት ቤተ - ክርስትያን ክንከውን እዩ ዚደልየና። ብጸጋ ጐይታ እናተሓገዝና ኣብ ክርስቶስ ተጸምቢርና ኣብ ጉንዲ ወይኒ ዘሎ ጨንፈር ብምዃን ክንዓብን ክንፈሪን ንኽእል ኢና" እንክብሉ ኣረጋጊጾም፣ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 68 ዝሃቦ ርእይቶ፣ ንሓይሊ ናይቲ ንእሽቶ ነገር ከምዘጉልሐ ዘኪሮም፣ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሰብ ምስ ዓበየ ኣብ ሓደ ህዝቢ ማለት ኣብቶም "ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚዝርግሑ ህዝቢ ኣምላኽ" ሱር ከም ዚሰድድ ብምጕላሕ፣ ንብርታዐ እቲ ንእሽቶ ሰብ ብኸመይ ከም ዘጕልሐ ኣስሚሮም።
ብስራት ናብ ገዛኻ ኣምጽእ እሞ ገጽ ክርስቶስ ናብቶም እትረኽቦም ኣመሓላልፍ
በዚ መንጽር ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ኣብዚ ቅንያት ዘጋጥሞም ኩሉ ከም ዝኽሪ ሕሉፍ ከይገብርዎ ተማሕጺኖም። "በጃኻ እዚ ኩሉ ኣብ ገለ ጽቡቓት ስእልታት ከም ዝኽሪ ጥራይ ከይተርፍ"፡ እንታይ ደኣ ናብ ሃገርኩምን ገዛኹምን ምስ ተመለስኩም ንክርስቶስ ንኹሉ ኣብጽሑ . . . ዝረኸብኩምዎ ዘበለ ኩሉ ወጅሂ እቲ ንርእሱ ዘፍቅርን ገዝእ ርእሱ ዝህብን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ ህልው ዝኾነን ክርስቶስ ኣባኻትኩም ይርኣዩ" እንክብሉ ከም ዘተባብዑም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ፍቑራት ቅዱሳም ፔሩ
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ብናጻ ኣፍቅሩን ኣገልግሉን፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወት፣ ኣብ ንእሽቶን ሕቡእን፣ ኣቐዲምኩም ናይ ምፍቃር ሓጎስ ስለ ዘስተማቐርኩም፣ ከምኡውን ኩሉ ብናጻ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ስለዝተቐበልኩም" እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ "ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ዝተወሃበኩም ዝሕንገጥ ማሕደር፡ ኣገደስቲ ነገራት ጥራይ ዝሓዛ፡ ምልክት ናይቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓላፍነት ዝህበኩም ተልእኾ - ወንጌል እዩ፣" ማለት "ኣብ ዝኸድኩምዎ ልኡካነ ወንጌል ኵኑ፤ ልክዕ ከምቲ ፍቑራት ቅዱሳን ፐሩ፡ ኣብ ህላወ ጎይታ ግሉጻት ኩኑ" እንክብሉ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።