ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ንዝገብርዎ ናይ እምነት ምስክርነት የመስግኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 ሓምለ ኣብ ከተማ ኣልባኖ ዝርከብ ማእከል መዕቆቢ ኣረጋውቲ ሳንታ ማርታ ብሕታዊ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ነተን ኣብኡ ዝነብራ ኣረጋውትን ኣለይተንን ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን መንፈሳዊ ቅርበትን ቃላት ከም ዝለገሱን ቅዱሰንቶም ኣብቲ ማእከል ምስ በጽሑ በተን ኣብቲ ማእከል ዘገልግላ ማሕበረሰብ ደናግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣቀባብላ ከም እተገበረሎምን ኣብቲ ማእከል ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እውን ናይ ግሊ ናይ ጽሞና ጸሎት ምስ ፈጸሙ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ማእከል ምስ ዝነብራ ካብ 80 ክሳብ 101 ዓመት ዝዕድመኤን ዕስራ ደቂ ኣንስትዮን ነተን ዝከናኸነአን ደናግል ሓደ ብሓደ ሰላም እናበሉ ዛንታታተን ሰሚዖም ምስ ኣብቆዑ፣ ናይ ፍቕርን ተስፋን ቃላት ከም ዘካፈሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ማእከል ኣረጋውያን እትሰርሕ ሓንቲ መንእሰይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ነቲ ማእከል መእለዪ ኣረጋውያን ወኪላ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ኣስመዐት፣ ስዒቡ ናይ ሓጺር ደቓይቕ ናይ ሓባር ጸሎት ምስ መዝሙር ምስ ቀረበ፣ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብቲ ናይ ዕለት 20 ሓምለ እተነበ ቃል ወንጌል ዘማእከለ ኣስተንትኖ እንክልግሱ፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ እተን ንኢየሱስ ኣብ ገዝአን ተቐቢለን ዘአንገደኦ ማርያምን ማርታን - ክልተ ኣሕዋት ዝነበረኦ ተመክሮ ብምዝካር፣ “ኣብ ነፍሲ ወከፍና ሓደ ክፋል ማርታን ሓደ ክፋል ማርያምን ኣሎ” ቢሎም፣ “እዚ መድርኽ ሕይወት፡ ነታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ‘ማርያም’ ክንሓቁፍ - ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኮፍ ክንብል፡ ቃሉ ክንሰምዕን ክንጽልን - ክቡር ግዜ እዩ” እዚ ድማ ንውፉይ ኣገልግሎት ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉን ንጸሎት ኣረጋውያን ነበርቲ መእለዪ ኣረጋውያን ምስጋናኦም ብምግላጽ ጸሎት ኣረጋውያን ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ዓብዪ ዋጋ ድማ ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣገዳስነት ጸሎት
“ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ዝዓበየ እዩ . . . ዕድመ ንበይኑ ቁም ነገር የብሉን። ኢየሱስ እዩ ዝቐርበና። ጋሻና ኮይኑ ንኣሽቱ ንኹን ብዕድመ ዝደፋእና ዓበይቲ መሰኻኽሩ ክንከውን ይዕድመና - ቢሎም - ንኹሎም እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ብእምነትን ምትእምማንን ክጸንዑ ብምትብባዕ፡ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን “ምልክት ተስፋ እያቶም” እንክብሉ ገሊጾም፣ “ኣብ ህይወትኩም ብዙሕ ዝሃብኩም ኢኻትኩም . . . ንስኻትኩም ከኣ መሰኻኽር፡ መሰኻኽር ጸሎት፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣባይቲ ስድራ እተቕርቡ ኴንኩም ትቕጽሉ ኣለኹም” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ምስ ዛዘሙ መሪሖም ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ደጊሞም ኣብቲ ማእከል እናተዘዋወሩ ንሰራሕተይናታት ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቦም ቅድሚ ሰዓት 11፡30 ናብቲ ዘዕርፍሉ ጳጳሳዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ከም እተመልሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።