ር. ሊ. ጳ.፦ “ደቂ ሰብ ኣብ ግዜ ምክፍፋል እውን ከይተረፈ ወትሩ ሓድነት ክህልዎም ይኽእል ኢዩ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ህጹጽነት ምትእኽኻብ ንሰላምን ከምኡውን ብስፖርትን፡ ፖለቲካዊ ምቅስቓሳትን፡ ሙዚቃን ካልእ ነገራትን ኣቢልካ ሓድነት ምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕሊሖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብዕለት 15 ሓምለ እተዘርግሐ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ነቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤተ ሕክምና ህጻናት ባምቢኖ ጀዙ ኢጣልያውያን፣ ብማሕበር ካሪታስን እተዳለወ ናይ ተራድኦት ግብረ - ሰናይ ናይ ውድድር መድረኽ ኣቕረበሎም።
"ሰብኣውነትና ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። እዚ ብዛዕባ ሰላም ዝዛረብ ውድድራትኩም ንረብሓኡ ዝሕብር ምልክት ይኹን" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኵሎም እቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እተሳተፉ "ናብ ኣዒንቲ ቘልዑን ህጻናትን እናጠመቱ፣ ኻብኣታቶም ክመሃሩን፣" ብኸመይ ንኻልኦት ሓንጐፋይ ኢልካ ምቓብል ከም ዘድሊ፣ ብኸመይ ምስ ካልኦት ርክብ ምግባር ዘተባብኡ ሰብኡትን ኣንስትን ከም ዝኾኑ፣ ብኸመይ ትብዓት ከም ዝረኽቡን ከምኡውን ብኸመይ "ንኽኣምኑን ውግእ ደው ንኽብል ንኽሓቱን ጽልኢ ንኸየስፋሕፍን ንምዕጋር ብርታዐ ከም ዝረክቡ" ንኽመሃሩ ዘለዎም ተስፋ ገለጹሎም።
"ኣብ ግዜ ምክፍፋልን ደብዳብ ቦምባታትን ከምኡ ውን ውግእ ኣብ ዚበዝሓሉን እዋን እውን ከይተረፈ ኵሉ ሳዕ ብሓድነት ምትእኽኻብ ይከኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ኣጋጣሚታት ምፍጣር ድማ ኣድላዪ ኢዩ” ክብሉ ውን ኣጕልሑ። ኣስዒቦም ድማ “ምክፍፋል በዳሂ እዩ፣” እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኸኣ ብሓደ ምእካብ ምዃኑ ውን ኣፍልጦ ምሃቡሉ።
ንዝሓመሙ ቘልዑን ንስድራቤቶምን ናይ ምሕጋዝ ኣጋጣሚታት
እዚ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ላ ኣኪላ እተገብረ ናይ ተራድኦ ግብረ - ሰናይ ውድድራት ኵዕሶ እግሪን ከምኡውን ውድድራት ሙዚቃዊ ምርኢትን ንእተሳተፉ ኣባልት እተላእከ ኢዩ ዝነብረ።
ካብዚ በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤተ ሕክምና ሕጻናት ባምቢኖ ጀዙን፣ ናይ ኢጣልያ ማሕበር ካሪታስን እተወደበ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ኣታዊታት ናብ ናይ ተቕባል ውጥናት "ፕሮጀቶ ኣኮልየንዛ " ዝተሰምየ ብተበግሶታም ዝውዕል ክኸውን ኢዩ።
እዚ ውጥናት እዚ ነቶም ንደቆም ኣብ ቤተ ሕክምና ባምቢኖ ጀዙ ክሕከሙ ዘድልዮም ካብ ኢጣልያን ወጻኢ ሃገራትን ዝመጹ ድኻታት ስድራቤታት መዕረፍን መነባብሮኣዊ ደገፍን ንምግባር ዝድግፍ ተበግሶ ኢዩ።
እቲ ውድድር መበል 34 ዙር ናይዚ ተበግሶ እዚ እዩ፣ ኣብ መንጎ ጕጅለ ሙዚቀኛታትን ጕጅለ ፖለቲከኛታትን ዝካየድ ውድድር ከአ ኪኸውን እዩ። ምስ እተፈላለዩ ኢጣልያውያን ስነ-ጥበባውያን ተዋሳኦታን ከምኡ ውን ሙዚቃዊ ምርኢት ኪቐርብ እዩ።
ጥፍኣትን ሞትን ዘይኰነስ ንህይወት ምድጋፍ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም እታ ምስዚ ፍጻመ እዚ እተተሓሓዘት "መወዳድርቲ" እትብል ቃል "ምርኻብን" ከምኡውን ምትእኽኻብ ማለት ምዃና ገለጹ።
"ተጻረርቲ እውን ከይተረፉ ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር ምኽንያት ዚረኽቡሉ ኣኼባ ኢዩ" በሉ፣ እዚ ኸኣ "ካብ ክባቢታት ግጭት ናብ ኢጣልያ ዚመጹ ሓገዝ ዚሓትቱ ቘልዑ" ኸምኡውን በቲ "ናይ ተቕባል ፕሮጀክት" ከም ዚድገፉ ዝገብር ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።
ወሲኾም ድማ "ንህይወት ዚኸውን ገንዘብ ንምእካብ ንጥፍኣትን ንሞትን ዘይኰነስ ንምፍዋስ ገንዘብ ንምእካብ ኢዩ" ክብሉውን ኣሞገስዎም።
ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ነዚ ጕዳያት እዚ ዝኸውን "ጽን ኢልካ እትሰምዓሉ ቦታ ምርካብ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣጸጋሚ ከምኡውን ዳርጋ ዘይከኣል እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣብቲ ብ1914 ኣብ ጥቓ ኸተማ ኢፕረስ በልጅዩም ኣብ እተገብረ ናይ በዓለ ልደት ተዅሲ ናይ ምቁራጽ ውዕል፣ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ፈረንሳን እንግሊዝን ጀርመንን እተገብረ ውድድር ዅዕሶ እግሪ ውን ጠቒሶም ኣስመሩሉ።
እዚ ፍጻመ እዚ ኣብታ ብ1983 ዝወጸት ፖል ማካርትኒ ዘዳለዋ "ጆይስ ኖኤል " (" ብሩኽ ልደት") ዘርእስታ ናይ ፈረንሳ ፊልም ብኸመይ ከም እተዘንተወ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም ንቶም ተሳተፍቲ "ንጽቡቕ ዕላማ ብሓባር ኣበርክቶ ኽገብሩ" ከምኡውን "ስቡር ልቢ ናብ ሓድነት ክመልሱ" ኣተባብዕዎም።
"ኣብ ልቢ ኣምላኽ ሓደ ምዃንና ልብና ድማ ንኣምላኽን ንኻልኦትን እንራኸበሉ ቦታ ምዃኑ ፍለጡ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።
ሙዚቃ ስፖርት ተለቪዥን ከምኡውን ፖለቲካ ግደ ኣለዎ
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስፖርት ሙዚቃ ተለቪዥን ከምኡውን ፖለቲካ ሓድነት ኣብ ምድንፋዕን ምፍልላይ ኣብ ምስጋርን ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ኣጕልሑ።
ከምዚ ብምባል ድማ ገለጹ - "ስፖርት—እቶም ዝለማመዱን ደገፍቶም ጽቡቕ ናብራ ከም ዝነብሩ ክገብሮም እንከሎ—ንምስሕሓብ ናብ ምርኻብ ይቕይሮ፣ ንምክፍፋል ድማ ናብ ተሳትፎ ከምኡ ውን ንተነጽሎ ናብ ማሕበራውይነት ይቕይሮ።"
ተለቪዥን ንሰባት ካብ ምትእስሳር ንላዕሊ ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ውን ገለጹ፣ ከመይሲ ኣብ መንጎ ዅሎም ሰባት "ብጽልኢ ዘይኰነስ ብፍቕሪ" ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ከም ዘስፋሕፍሕ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ፖለቲካ ካብቲ ጸላእቲ ንምፍራይ ዚምግብ ፕሮፓጋንዳ እንተ ተኣሪሙ "ኣብ ክንዲ ዚኸፋፍል ሓድነት ከም ዘስፍን" ኣትሪሮም ይዛረቡ።
ፖለቲካ ነቲ ቅብሉ ቅዱስነትም "ሓባራዊ ጥቕሚ ንምርካብ ዘናዲ፣ ኣጸጋምን ኣድላዪን ዝዀነ ሃናጺ ዝርርብ" ንምግባር ክዓዪ ኣለዎ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገዳስነት ሙዚቃ ኣጕልሑ፣ እዚ ሙዚቃ እዚ ኸኣ "ካብቲ ቘልዑ ኸለና ኽንዛረብን ክንዝክርን ዝጀመርናሉ ግዜ ኣትሒዙ ንቓላትናን ተዘክሮታትናን ትርጕም ከም ዚህልዎ ይገብር።"
ኣስዒቦም ድማ "ነዚ ፍጻመ እዚ እተሰናደዉ ቘልዑ ነዚ ኣጸቢቖም ይርድእዎ እዮም። ንኣምላኽ ንኽርእይዎ ዘኽእሎም ጽሩይ ልቢ ድማ ኣለዎም" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ደምደሙ።