MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ጥሜት ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ኣይግባእን’ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ጥሜት ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ኣይግባእን’  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ 'ጥሜት ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ኣይግባእን’

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ መበል 44 ኣኼባ ጉባኤ FAO - ውድብ መግብን ሕርሻው ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጥምየት ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃምን ኣብ ክንዲ ድኽነት ምጥፋእ ኣብ ምፍራይ ኣጽዋር ዝግበር ወጻኢታትን ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት መበል 44 ዓውደ ኣኼባ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ካብ ዕለት 28 ሰነ ክሳብ ዕለት 4 ሓምለ የካይድ ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት - FAO ንዘይውሕስነት መግቢን ሕጽረት መግቢን ንምምካት መበል 80 ዓመት ቅዋሜኡ ኣብ ዘኽበረሉ ዘሎ እዋን፣ ቤተ ክርስቲያን ነቲ “ኣብ ዓለም ዝርአ ጥምየት” ንምውጋድ ዝግበር ኩሉ ጻዕርታት ከም እትድግፍ ብምሕባር፡ ኢየሱስ ነቲ ቃሉ ንኽሰምዕ ዝጽእ ንዝነበረ ህዝቢ ንምምጋብ ዝገበሮ ሓልዮት ኣዘኻኺሮም፣

“እቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ሓቀይና ተኣምር፡ ጥሜት ንምስዓር እቲ ቀንዲ መፍትሕ ካብ ብስስዐ ምእካብ ንላዕሊ ኣብ ምክፋል ምዃኑ ንርዳእ ኢና” ቢሎም፣ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ዝተወሰኑ ክፋላት ዓለም ልዕሊ ዓቐን ምህርቲ እኳ እንተሃለወ፡ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ብጭካነ ዝሳቐዩን ድሌታቶም ክማላእ ዝናፍቑን ከምዘለዉ ኣመላኺቶም፣ “ሕጂ ብዓሚቝ ሓዘን ንዕዘቦ ዘለና ኢሰብኣዊ ኣገባብ ጥምየት ከም ኣጽዋር ውግእ ምጥቃም ዝርአ ዘሎ ተግባር” ምዃኑ ገሊጾም፣ “ሰላማዊ ህዝቢ ብጥሜት ክሳቐ ምግባር ብሕሱር መንገዲ ውግእ ምክያድ” ማለት ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ መሰረታዊ ድሌታት ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ጽያፍን ኩኑን ተግባርን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኡ ግጭታት ሕጂ ኣብ ክንዲ ስሩዕ ሰራዊት ብዕጡቓት በርገሳውያን ጉጅለታት ዝካየድ ምዃኑ ገሊጾም፡ ከም ምንዳድ ዝራእትን ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝን ዝኣመሰሉ ሜላታት ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ልዑል ጽልዋ ከምዘሕድር ኣመልኪቶም፣ ግጭት ምስ ዝለዓል ሓረስቶት ፍርያቶም ክሸጡ ስለዘይክእሉ ዋጋታት ንብረት ሰማይ ጠቐስ ይኸውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ብጥሜትን ውሕስነት መግብን ክሳቐዩ ይገብር፣ ሕብረተሰብ ዓለም ነዚ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ንምብዳህ ስጉምቲ ክወስድን ንጹር ዶባት ከቐምጥን ገበነይናታት ብሕጊ ክሕተቱን ኣብ ምግባር ተጊሁ ክዓዩ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ፖለቲካዊ ቅልውላዋት፡ ዕጥቃዊ ግጭታትን ቁጠባዊ ምዝንባዕን ነቲ ቅልውላው መግቢ ኣብ ምብራኽ ማእከላይ ተራ ኣለዎም . . . ንሰብኣዊ ሓገዝ ይዕንቅፉ፣ ንናይ ከባቢ ሕርሻ ምህርቲ የዳኽሙ፣ ሰባት ምግቢ ምርካብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክብርን ዕድልን ዘለዎ ህይወት ናይ ምንባር መሰል እውን ይዓግቱ፣ ርእሰ ፍትወትን ዘይምግዳስን ዘተን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ብምስዓብ ክወገድ ኣለዎ፣ ሰላምን ምርግጋእን ሕብረተሰባት ዘላቕን ተጻዋርን ዝኾነ ስርዓተ ሕርሻዊ ምግቢ ክሃንጹ የኽእሎም፣” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ስርዓታት መግብን ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ እዮም፣ እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ዝፍጸም ሕማቕ ኣተሓሕዛ ነቲ ካልእ ብዕምቆት ይጸልዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክሳራ ብዙሕነት ህይወትን ዝመጽእ ማሕበራዊ በደል፡ ንኣከባብን ንህዝብን ኣብ ማእከል ዘቐምጥ ናብ ፍትሓዊ ስነ - ምህዳር ምስግጋር ብምዕዋት፡ ክውገድ ኣለዎ፣ ኩሉ ሰብ ውሕስነት መግብን ዝተመጣጠነ ኣመጋግባን ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ጸጋታት ዓለምና ኣብ ስራሕ ክውዕል ስለዘለዎ፡ ብመንፈስ ምትሕግጋዝ ብዝተዋደደ ስጉምቲ ከባቢያዊ ኣየርን ስርዓተ ምህዳርን ክሕሎ ኣለዎ” እንክብሉ ኣብሪሆም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቍጠባውን ጸጋታትን ምህዞታት እደ ጥበባትን ናብ ምፍራይ ኣጽዋርን ንግዲ ኣጽዋርን ይውዕል ምህላዉ ኣመልኪቶም። “ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ስነ - ሓሳባት ክሰፍሕ እንከሎ፡ ርክብ ደቂ ሰባት እናዘሓለ፡ ሓድነት ይበላሾን ንሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ይነጽግ” ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ኩሉ ሰብ “ናይ ሰላም ኣንጠረይና ብምዃን፣ ንሓባራዊ ረብሓ ዝሰርሕ” ክኸውን ዓዲሞም፣ መኻን ዝኾነ ጣቋ መደረ ንጎኒ ገዲፎም ንጸገም ጥምየት ብጽኑዕ ፖለቲካዊ ድሌት ክፈትሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ነዚ ክቡር ዕላማ ንምዕዋት፡ ቅድስቲ መንበር ንጉዳይ ስኒት ህዝብታት ወትሩ ከም እተገልግልን፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕትን ብጥሜትን ጽምእን ዝሳቐዩን ብዝምልከት፡ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ስድራ ኣህዛብ ኣበርክቶ ምግባር ከም ዘይትደክም ከረጋግጸልኩም እፈቱ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Jul 2025, 16:06