MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ድሪ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ድሪ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ድሪ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብዘይሕለል ኣገልግሎት ዝፍለጡ ካርዲናል ልዊስ ፓስካል ድሪ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን ዕረፍቲ ናብ ኣርጀንቲና ርእሰ ሰበኻታት ቡወኖስ ኣይረስ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2023 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል እንክብሉ ዝሰመይዎም ኣባል ማሕበር ካፑቺን ኣባ ሉዊስ ፓስካል ድሪ ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 30 ሰነ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ከም ዝዓረፉን በዚ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለገራም ናብ ኣርጀንቲና ርእሰ ሰበኻታት ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ኢግናስዮ ጋርስያ ኩወርቫ ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሞት ካርዲናል ድሪ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ “ንፈተውቶም፣ ኣዝማድን ስድራ ቤትን ንማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን እግዚኣብሔር ጽንዓቱ ይሃብ” ቢሎም፣ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ድሪ “ንነዊሕ ዓመታት ከም ኣናዛዝን ኣበ ነፍስን ኰይኖም ንኣምላኽን ንቤተ ክርስቲያንን ኣብ ምግልጋል ህይወቶም ዘሕለፉ፣ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣዝዩ ልዑል ኣኽብሮት ዝረኸቡ ውፉይ ጓሳ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ እግዚኣብሔር ዘይሃስስ ክብሪ ኣኽሊልን ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ክጽግዎምን” ተማሕጺኖም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንካርዲናል ድሪ ከም መርኣያ ምሕረት - ኣምላኽ ብምጥቃስ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ ንዝነበርዎ ዘይሕለል ተወፋይነት ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

03 Jul 2025, 16:44