ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14ን ንሕጻናት ማዕቀን ዝገብረ ዓለምን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
መብዛሕትኡ ኣሳእል ቅዱስነቶም ኻብቲ ኣብዘን ናይ መጀመርታ ኽልተ ወርሒ ግዜ ጵጵስናኦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተሳእልዎ ስእልታት ምሳልያዊ ትርጕም ዘለዎም ኮይኖም ተረኺቦም።
ገለ ካብዚኣቶም ድማ ልክዕ ከምቲ ብዕለት 8 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ምድያቦም ንከተማ ሮማን ንዓለምን መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፉሉ (ኡርቢ ኤት ኦርቢ)፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓጐስ ዝጽበይዎም ዘለዎ ምእመና ክጥምትዎም ከለዉ ኣብ ማእከላይ ሰገነት ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ክሳብ ዘሕነቕንቑ ዝገበሮም ስምዒት ኣብ መጻኢ እውን ካብ ዝክርዎም ስእልታቶም ኢዮም።
ከምኡ ውን ብዙሕ ዘይተፈልጠ ስእሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጥቓ ሓንቲ ባዕላ ዝሰርሓቶ ቅብኣ ምስ ዘወፈየትሎም ንእሽቶ ህጻን ፎቶ ንኽልዓሉ ኣብ ጐና ኮፍ ኢሎም ዝርኢ ስእሊ ኢዩ ዝነበረ።
ሓደ ካብሪ ኣተኵሮና ዝስሕብ ድማ ፍሽኽታኦም ኢዩ ዝነበረ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ ስእሊ ዝስእል ዘሎ ሰብ ብፍሽኽታ ዝመልኦ ገጽ ኢዮም ዝጥምቱ ዝነበሩ፣ እታ በቲ ህሞት እቲ እተማረኸት ህጻን ግና ናብ ካሜራ ኣይኮነትን እትጥምት ዝነበረት፣ የግዳስ ናብ ፍሽኽታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኢያ አተኲራ እትጥምት ዝነበረት።
እዚ ስእሊ እዚ ስለምንታትይ ኢዩ ኣዝዩ መሳጢ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ? ምኽንያቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በዚ ተራ ዝመስል ተግባር እዚ፣ ትሕት ብምባሎም ኵሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ እቶም መጻኢ ናይ ዓለም ኣብ ኢዶም ዝሓዙ ሰባት ክስዕብዎ ናብ ዘለዎም ኣንፈት ዝሕብር ክንዲ ዝኾነ እዚ፣ ድማ ምስ ህጻናትን ቈልዑን ኣብ ደረጃኦም ትሕት ብምባል ንዓለም ብዓይኒ እቶም ሕጻናት ምጥማት ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም "ዝርብሽ" ዝነብሩ ቈልዑ "ህጻንት ናባይ ይምጽኡ" እናበሉ ነቶም "ዝረበሽዎም" ህጻናት ክሶጉ ንዝፈተኑ ደቀ መዛሙርቲ ኺገንሕከሎም ከሎ ዝገበሮ ኣብነት፣ ነፍሲ ወከፍና ርእስና ከነትሕት ትብዓት እንተ ዚህልወና ነይሩ መገዲ ህይወት ደቂ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ምተቐየረ ኮን ነይትሩ?
ሎሚ ህጻናት ናባና ንኺመጹ ክሳብ ኽንደይ ኢና እንፈቕደሎም? ልዕሊ ዅሉ ድማ ክሳዕ ክንደይ ኢና ናብኦም እንቐርብ?
ነቶም ኣብ ውግእን ግጭታትን ንዝሳቐዩ ዘለዉ ቈልዑን ህጻናትን፣ ነቶም ብስስዐ ኻልኦት ዝጠመዩ ዘለዉ ከምኡውን ነቶም ማእለያ ብዘይብሉ እተፈላለየ መንገድታት እተሃስዩ ንምክንኻን ጻዕሪ ንገብር ዶ ኣሎና?
ብርድኢት ማለት ብስምዒት ቅድሚ ምብጋስና እውን ከይተረፈ፣ እቶም ሰብ ዓቕሚ ነቶም ንኣሽቱን ህጻናትን ከዕቍብዎ ኣለዎም። ኣብ ክንዳኡስ ኣብቲ ዓበይቲ ዝውስንዎ ውግኣት እቶም ብቐዳምነት ዚሳቐዩ ቘልዑን ህጻናትን ክንዲ ዝኾኑ።
ናብ ደረጃ እቶም ኣብ ቃዛ ከርኪፍ ጎማ ከምኡውን ናብቲ ብዕጥቃዊ ውግእ እተበታተኑ ማእለያ ዘይብሉ ቦታታት እንተ ንርከብ እንታይ ምረኸብና ኮን ይኸውን? በዚ ርድኢት እዚ እንተ ተበገስና ሓደ ነገር ኪቕየር ምኸኣለ ነይሩ።
ማሃትማ ጋንዲ ሓደ እዋን "ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሓቀይና ሰላም ከነስፍን እንተደኣ ዄንና ምስ ውግእ ሓቀይና ውግእ ክንቅጽል እንተድኣ ዄንና ኸኣ ካብ ደቅና ክንጅምር ኣሎና" በለ።
ካብ ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ዝመጹ ቘልዑን ህጻናትን፣ ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮፍ እንተ ዝብሉ እሞ ሕስብ ኣብልዎ። ኣህጉራዊ ርክባት ብኸመይ ክቕየር ከም ዝኽእል መን ይፈልጥ?
እቲ ዜሕዝን ግና ውግእ ልክዕ ከም መርዚ ኻብ ንእስነትና ኣትሒዙ ኸም ዝሰርጸና ብምረት ክንእመን ኣሎና።
በርቶልት ብረኽት ናይ ሥነ ተዋስኦ ሊቕን ደራስን ከም ዝገለጾ፣ ጽላሎት ካልኣይ ውግእ ዓለም እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ እተጻሕፎ ግጥሚ "ቈልዑ ኣብ ውግእ ይጻወቱ እዮም። ዓበይቲ ወትሩ ውግእ ስለ ዚገብሩ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ግዜ ሰላም ኣይጻወቱን እዮም።"
ስለዚ ኸኣ ኢዩ ምናልባት ንታሪኽ ክንቅይሮ እንክእል፣ እንኮ ሓቀይና መገዲ ኸኣ እቲ ብዙሕ ግዜ ዘይመስል መንገዲ ኢዩ ቅኑዕ ኮይኑ ዝርከብ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ፔሩ ሚስዮናዊ ጳጳስ ከም ዝነበሩ መጠን ምስ ቈልዑ ኣብ ደረጃኦም ንምርኻብ ብዙሕ ሳዕ ፍግም ብምባል ትሕትና ኣርእዮም ኢዮም። ከምኡ ኺገብሩ ከለው ዘርኢ ማእለያ ዘይብሉ ስእልታት ድማ ኣለዎም።
ሕጂ ውን ከም ናይ ሮማ ጳጳስ መጠን ኣገባቦም ኣይተቐየረን፣ ከመይሲ እቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝተካየደ ክረምታዊ ደምበ ህጻንት ሃገረ ቫቲካን እተላእልዎ ስእሊ ኢዩ ድማ ዘዘኻኽረና።
እምበኣር ንእሽቶ ምዃን ወይ ትሕት ምባል ንሰብኣውነትና ምስፍሑ ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ ሎሚ ኣዝዩ ዜድልየና ዘሎ ኣብነት ወይ ትምህርቲ እዩ።