ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ቬትናም
ዕለት 30 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተወት ናይ ሃገረ ቨትናም ምኽትል ርእሰ ብሔር ቮ ቲ ኣን ዙዋን ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘካየደቶ ርክብ፡ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢታ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ከም እተራኸበት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 30 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 30 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ምኽትል ርእሰ ብሔር ማሕበርነታዊት ረፓብሊክ ቨትናን ቮ ቲ ኣን ዙዋን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፣ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበተት ምስ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ከም እተራኸበትን፣ ኣብዚ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ዘተ፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቨትናም ዘሎ ሰናይ ርክብ ከም እተሰመረሉን፣ ኣብ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ቬትናምን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዓት ንዝተራእየ እወንታዊ ምዕባለታት ብምትኳር፣ እዚ እውን ኣብ ሃገረ ቨትናም መንበር ዘለዎ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ክህልው ዝብል ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘኪሮም፣ ምኽትል ርእሰ ብሔር ቨትናም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ቨትናም ዘለዋ ኣበርክቶ ከም ዘጉለሐት ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ ኣፍሊጡ።
01 Jul 2025, 15:58