MAP

2025.07.24 S.E. il Signor Abdelmagjid Tebboune, Presidente della Repubblica di Algeria

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ንርእስ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኣልጀርያ ተቐቢሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኣልጀርያ ዓብደልማጂድ ቴብቡን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራረብዎ፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ውን ተራኺቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮብ መበል 14 ትምሊ ሓሙስ ንግሆ ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኣልጀርያ ዓብደልማጂድ ቴብቡን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቀቡሎም ኣዘራረብዎ።

ብመሰረት እቲ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ርእሰ ብሔር ቴብቡን ድሕሪ እቲ ምስ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየዶ ምርኻብ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እውን ከም ዝተራኸቡ ዜና ቫቲካን የመላኽንት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ አልጀርያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ አልጀርያ   (@Vatican Media)

"ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ምሕዝነታዊ ዘተ፣ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኣልጀርያን ዘሎ ጽቡቕ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ብዝምልከት ልባዊ ምይይጥ ኣካየዶም።"

ኣስዒቦም ድማ "ብዛዕባ ገሊኡ መዳያት መነባብሮ ናይታ ሃገርን፣ ቤተ-ክርስትያንን እውን ተዘራሪቢም" ክብል እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ የመላኽት።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ "ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ዅነታት ከምኡውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ዓለም ሰላምን ሓድነትን ኣብ ምህናጽ ሃይማኖታዊ ምይይጥን ባህላዊ ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘትዮምሉ ኢዮም" ብምባል ይድምድም።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ አልጀርያ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ አልጀርያ   (@Vatican Media)
24 Jul 2025, 18:59