MAP

ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ኣባስን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ኣባስን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ 

ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ኣባስን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክብ፡ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ሓለዋ ሰላማውያን ሰባትን ቅዱሳት ቦታታትን፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባርን ብግዴታ ዝግበር ምስግጋር ህዝቢ ምንጻግን ህጹጽ ዝብል ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒቶም የሐድሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድስቲ መሬት ቀጻሊ ዓመጽ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ንግሆ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ዓባስ ዕለት 21 ሓምለ ብስልኪ ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። ቅዱሰነቶም ኣብቲ ካብ ርእሰ ብሔር ኣባስ ዝበጸሖም ናይ ስልኪ ጻውዒት ተቐቢሎም፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ግጭትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝከይድ ዘሎ ዓመጽን ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ “ኣብቲ ናይ ስልኪ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት አሐዲሶም፣ ብፍላይ ድማ ንሰላማውያን ሰባትን ቅዱሳት ቦታታትን ናይ ምሕላው ግዴታ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃምን ግዱድ ምስግጋር ህዝብን ዝኽልክል ምዃኑ” ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ "እቲ ዘሕዝን ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቶም ንሳዕቤናት ናይቲ ግጭት ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ሓገዝ ምሃብን እኹል ምእታው ሰብኣዊ ሓገዝ ምፍቃድን ህጹጽ ምዃኑ ትኹረት ከም ተወሃበሉ” ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣረጋጊጹ፣ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዕለት 26 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተኸተመ ካብ ዕለት 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፍልስጤምን ዓስራይ ዓመት ከም ዝዘከሩ” ኣፍሊጡ።

22 Jul 2025, 17:04