ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፡ 'ጥበብ ክርስቶስ ቡሶላ ይኹን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ሜክሲኮ ከተማ ጓዳላኻራ ዝካየድ ናብ ዘሎ መበል 28 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣህጉራዊ ቃል ኪዳን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ (IFCU) ዕለት 28 ሓምለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ ግደ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣስተንትኖ እንከቕርቡ፣ ኣብ ክርስቶስ ከም ምንጪ ጥበብን ሓቅን ተሰሪተን ንቕድሚት ክጓዓዛ ኣተሓሳሲቦም፡ “ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ፡ ውሁድ ቅንይት ፍልጠት” ዝብል ናይቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ኣርእስቲ ድማ፣ "ስኒት፡ ሓድነት፡ ንጡፍነትን ሓጎስን ዘበራብር እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መናብርተ ጥበብ፡- ኣእምሮ ናብ ኣምላኽ ዝመርሕ መንገዲ
እቲ እዋናዊ ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ሓድሽ ህቡብነት ወይ ርግጸይናታት ንምዃን ብዝስሕብ "ናይ ድምጺ ደውል” ዝተመልእ ከይከውን ኣጠንቂቖም፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ከምቲ ቅዱስ ቦናቨንቸር ዝብሎ፣ "ናብ ኣምላኽ ዝመርሕ መገዲ" ክኸውን ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም፣ ካብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣውጉስጢኖስን ቅዱስ ጳውሎስን ጠቒሶም ካቶሊካውያን ትካላት ፍልጠት፣ ኣብ መለኮታዊ ሓቂ ኣብ ዘሎ ፍልጠት ኣመልሒቐን ንመንፈስ ወድሰብ ከብርሃ ከም ዘለወን ኣጒሊሖም፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ጠቒሶም፣ "እታ ኣብ ርእሳ እትውከልን ኣትውከስን ነፍሲ ብርሃን ይኹን ሓይሊ የብላን" "ካብ ምንጪ እቲ ዘይልወጥ ሓቂ ምስ እትርሕቅ ትጽልምት፡ ናብኡ ምስ እትቐርብ ድማ ትበርህ - ቢሎም - በዚ መንጽር እዚ ብዘተን ብዙሓ ስነ ፍልጠትን ዝልለይ ናይ መናብርተ ጥበብ ሃዋህው ንተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ጓና ኣይኮነን እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ምውፋር
ካብ መጀመርታ ዘመነ ስብከት ወንጌል፡ ክርስትያን ምስ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዓለም ጽምዶ ኣገዳሲ ምዃኑ ይርድኡ ነይሮም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስትያን ሮማ ፍረ ናይቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኦም ክምርምሩ ከመይ ከም ዝበደሆም ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ብዘይ ክርስቶስ ጥበብ ደቂ ሰባት ኣብ መወዳእታ ናብ ሞት ዘብጽሕ ምዃኑ ዘመላኽት ኮይኑ፣ "ክርስቶስ ንርትዓዊ ዲስኩር ጓና ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ንኹሉ ሓሳባትናን ተስፋናን ህይወትና ንምምሕያሽን ዕላማ ንምርካብን እንገብሮ ጻዕርታት ምትእስሳርን ትርጉምን ዝህብ እምኒ ኲርናዕ እዩ - ቢሎም - ብዛዕባ ሓሳብ ቅዱስ ቶማስ ኣኵይናስ ከስተንትኑ እንከለዉ፣ ክርስቶስ ከም ጥበብ ኣብ እምነት ማእከላይን ንኣድማሳዊ ሰብኣዊ ምኽንያት ዝበጽሕን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ርእይቶ ብዛዕባ ፍርድታት ዘርእስቱ መጽሓፍ ኣኵይናስ ጥቒሶም፣ ጥበብ ከም ባህርያዊ ፍልጠታዊ ዓቕሚ ይኹን መለኮታዊ ውህበት ዝረአ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ልዕሊ ዅሉ መለኮታዊ ከም ዘተሓሳስብ” ከምኡውን ምስ ኵሉ ባህልታትን ኣብያተ ትምህርቲ ኣተሓሳስባን ንዘተ ጽኑዕ መሰረት ከም ዝህብ የስተህብሉ።
ሓይሊ ክርስትያናዊ መንነት
ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ካብ ክርስቶስ ኪርሕቝ ወይ ብስም ስነ ትምህርታዊ ዲስኩር ዘለዎ ፍሉይ ግደ ብተዛማዲ ኺገልጹ ኸም ዘይብሎም ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ክርስትያናዊ መንነቶም ተመርኲሶም ንዅሉ ትውፊታት ፍልጠት ብኣኽብሮትን ብውጽኢትን ክጻምድዎ ኣለዎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ክርስቶስ ስግው - ጥበብ – ሓቂ ንዓለም ናብ ገዛእ ርእሱ ዝስሕብ – ንኹለን ካቶሊካውያን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መሪሕ ቡሶላ ክኸውን ተስፋኦም ገሊጾም።
“ብዛዕባኡ ዘሎ ፍቕራዊ ፍልጠት ኣብ ዓውዲ ካቶሊካዊ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንሓድሽ ስብከተ ወንጌል ድርኺት ይኹን - ቢሎም - ሓዋርያዊ በራኬኦም ንኹሎም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኸቡን ንወከልቲ መናብርተ ጥበብ ካቶሊካውያን ኣመሓላሊፎም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።