MAP

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ፍጥረት ኣምላኽ ዓውዲ ውግእ ኣይኮነን! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ፍጥረት ኣምላኽ ዓውዲ ውግእ ኣይኮነን!  (Renan Dantas | Diocese de Juína)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ፍጥረት ኣምላኽ ዓውዲ ውግእ ኣይኮነን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ን10ይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ዘፍጥረት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ ንኣከባብያውን ማሕበራውን ምጕዳል ፍትሒ ኮኒኖም፣ ፍጥረት ኣምላኽ ኣገዳሲ ሃብቲ ንምብሓት ዝኣመተ ውግእ ዝካየደሉ ዓውዲ ከም ዘይኮነ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 መስከረም 2025 ዓስራይ ዓለምለኸ መዓልቲ ጸሎት ንሓልዮት ፍጥረት ንምዝካር ኣብ እትዳለወሎ ዘላ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ክርስትያንን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎምን ኣብዚ ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ግጭትን ዘይማዕርነትን በሰላ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዓለም፣ ከባብያውን ማሕበራውን ፍትሒ ህጹጽ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡ ቅዱስነቶ ኣብቲ ዝብል ኣርእስቲ ዘንበሩሉ ዕለት 2 ሓምለ ዝተዘርግሐ መልእኽቶም፣ ንመንፈስ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዘቃልሕ ኮይኑ፡ ምእመናን ከም "ነጋዲያን ተስፋን ሓላዊ ፍጥረት እግዚኣብሔር ኣብ ምዃን ዘለዎም ተራ ከኽብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍትሒ ኣብ ዝቖሰለት ዓለም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትንቢታዊ ቃላት ኢሳያስ ብምቅላሕ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ናይ ሎሚ “በረኻን ኣጻምእን” ናብ “ፍረ ዘለዎ ግራት” ክቕይሮ ዓዲሞም፣ እዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ራእይ እዚ ግጥማዊ ምሳሌ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ዘሰክፍ ስነ ምህዳራውን ሰብኣውን ቅልውላው ስጉምቲ ዝጠልብ ህጹጽ ጻውዒት ምዃኑ ገሊጾም፣ ቅስነቶም ኣብ መልእኽቶም ካብ ዝሕተም 10ይ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስቡሕ ኣንተ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ተወኪሶም፣ “በደል፡ ምግሃስ ኣህጉራዊ ሕግን መሰላት ህዝብታትን፡ ከቢድ ዘይምዕሩይነት፡ ከምኡ’ውን ዓመጽን ወጥርን ዘጓሃህር ስስዐ፡ ምብራስ ኣግራብን ብከላን ምጥፋእ ብዝሓ ህይወትን ይፈሪ ኣሎ” . . . ዕንወት ከባቢ ምስ ምዝመዛ ድኻታትን ዝተገለሉን ብምትእስሳር፡ ዘይመጣጠን ስቓይ ማሕበረሰባትን ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዝዓቢ ዘሎ ክፍተት ከም መለለዪ ናይቲ ንተፈጥሮ ከም ናይ ሓባር ገዛ ዘይኮነስ ከም ንብረት ንግድ ገይሩ ዘመሓደር ምዃኑ ዘረጋግጽ እዪ እንክብሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተፈጥሮ ከም ዓውዲ ውግእ

ተፈጥሮ ንባዕሉ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዝኣትው ንመኽሰብ ቀዳምነት ዝህብ መምርሕታትን ኣገባባትን ተገዛኢ ኮይኑ ምህላዉ የሕዝን። ካብ ብነቶጒቲ ዝተዓብለለ ሕርሻዊ መሬታት ክሳብ ማይን ማዕድናዊ ሃብትን ንመቁጽጻርን ንምዕብላልን ዝግበር ግጭት ዘርዚሮም፣ “ፍጥረት ናብ ዓውዲ ውግእ ተቐይሩ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፣ እዚ በሰላ እዚ፡ “ውጽኢት ሓጢኣት” እዩ ቢሎም፡ ንፍጥረት ክትዕብለል ዘይኮነስ፡ “ክፈርን ክሕሎን” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትእዛዝ ምጥላም ዘስዕቦ እዩ፣  ስለዚ እቲ ትእዛዝ ንመሬት ብናይ ሓልዮትን ሓላፍነትን ምትእስሳር ንምልማዕን ንምዕቃብን ዝቐርብ ጻውዒት ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከባብያዊ ፍትሒ ከም ግብረ ገባዊ ግዴታ

ቤተ ክርስቲያን “ንዘይነጻጸል - ውሁድ ስነ - ምህዳር” ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ እዚ ኣምር’ዚ ሕመረት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስብሑ ኣንተ ብዝብል እርእስቲ ናይ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ስለዚህ ከባቢያዊ ፍትሒ ረቒቕ ወይ ካልኣዊ ስክፍታ ዘይኮነስ፡ “ካብ እምነት ዝውለደ ሓላፍነት” ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣረጋጊጾም፣ "ንኣመንቲ ግና ኣድማስ ገጽ እቲ ዅሉ ብኣኡ ብእተፈጥረን ብዝኾነን ብዝደሓነን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንጸባርቕ እዩ - ቢሎም - በዚ መዳይ እዚ ንምድሪ ምክንኻን ስነ ምህዳራዊ ኣድላይነት ጥራይ ዘይኰነስ ዓሚቝ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ጽዋዕታ እውን ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍረ ዘፈሪ ዘርኢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ጭቡጥ ስጉምቲ ብምትብባዕ፡ ምስ ግዜ ፍረ ሰላም ዘፈሪ “ዘርኢ ፍትሒ” ኣብ ምዝራእ ጽንዓትን ፍቕርን ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝካየድ ዘሎ ውጥን ቅርዓት ስቡሕ ኣንተ፡ ኣብ ስነ - ምህዳራዊ ክብርታት ሱር ዝሰደደ ትምህርትን ማሕበረሰባዊ ህይወትን ከመይ ጌሩ ፍትሓውን ተስፋ ዘለዎን መጻኢ ክቐርጽ ከም ዝኽእል ጭቡጥ ኣብነት ከም ዝኸውን ድማ ኣረጋጊጾም፣ “እዚ ውጥን እዚ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ፣ ግን ከኣ ብቐጻልነትን ተኣማንነትን ምትሕግጋዝን ፍቕርን ዝቖመ ምሉእ ስነ - ምህዳር ዘጠቓልል ዓመታት” ከም ዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣

ንመጻኢ ዝኸውን በረኸት

መንፈስ እግዚኣብሔር ክውሕዝ ብዘቕረብዎ ጸሎት ቅዱስነቶም መልእኽቶም እንክዛዝሙ፣ ተስፋ ትንሳኤ ክርስቶስ ንሓንቲ ፈውሲ እትናፍቕ ዓለም መሪሕ ብርሃን ክኸውን ተማሕጺኖም፣ "[ስቡሕ ኣንተ] ብቐጻሊ ኣስተንፍሶ ክኾነናን፡ ኣብቲ ወሳኒ ስነ ምህዳር ክንክተሎ ዘሎና ቅኑዕ መንገዲ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ተቐባልነት ክንረክብ ይሕግዘና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Jul 2025, 16:49