ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ዩክሬይን ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 9 ሓምለ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብቲ ንዕረፍቲ ዝርከብሉ ጥቓ ሮማ ኣብ ዘላ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዘተ ሰላም ንምስጓም ዘሎ ኣገዳስነት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕን ፍትሓውን ነባርን መፍትሒ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡን ቅዱስነቶም ነቶም ግዳያት ኲናት ጽንዓት ይሃብ ቢሎም፣ ጸሎትምን ከምኡ እውን ምስ ህዝቢ ዩክረይን ዘለዎም ቅርበትን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣቦና እሱራት ንምፍታሕን ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ዝጸንሑ ሕጻናት ንምሕዋይን ዝዓለመ ጻዕሪ እውን ኣተባቢዖም፣ ቫቲካን ንወከልቲ ክልቲአን ሃገራት፣ ከካይድዎ ዝከኣል ናይ ሰላም ዘተ ከተአንግድ ዘለዋ ድሌት ደጊሞም ከም ዝረጋገጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፣ ድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፣ “ምስ ቅዱስነቶም ምርኻበይ ኣዘይ ሕጒስ እየ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን ኲናት ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን ዝምልከት ጉዳይ ከም ዝመክኸረን "እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ምዃኑ ብምዝኽካር ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ እዚ እውን ተዛሪብና ኢና - ስለዚ ነቶም ህጻናት ናብ ኣብ ዩክሬን ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራኦም ምምላስ ከም ዘድሊ ገሊጹ፣ ዩክረይን ሰላም ንምርግጋጽ ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ሰላም ኢና ንደሊ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ኢና ንደሊ፣ "ነዚ ውግእ እዚ ደው ንምባል ብላዕለዎት መራሕቲ ደረጃ ኣኼባ ንኽካየድ ቫቲካንን ከምኡ እውን ቅዱሰንቶምን ክሕግዙና ትጽቢት ንገብር” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።