MAP

2025.07.15 Santa Messa presso la Caserma dei Carabinieri di Castel Gandolfo 2025.07.15 Santa Messa presso la Caserma dei Carabinieri di Castel Gandolfo  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ውን እተኾነ እከይ ክዕወት ኢዩ ኢልኩም ፈጺምኩም ኣይትእመኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢጣልያ ካራቢነሪ በጺሖም መሥዋዕተ ቅዳሴ የዕሪጐም፣ ነቶም ኣባላት ናይ ኢጣልያውያን ኣኽበርቲ ጸጥታ፣ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ናብ ሮማ ንዝመጹ ነጋድያንን መነፈሳውያን በጻሕትን ንምዕቋብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብምጥቃስ ድማ ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ናይ ክረምቲ ኣብ ዝቕጽልሉ ዘለዉ ግዜ፣ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኵድዅዶታት ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ጸጥታ ካራቢንየሪ ምብጻሕ ብምክያድ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

እቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቪላ ደይ ጀስዊቲ ("ቤተ ኢየሱሳውያን") እዩ ዝርከብ፣ ህንጻ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ብቅድስቲ መንበር ዚውነን ኰይኑ፣ ንዞም ኣባላት ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢጣልያ ዝኾኑ ካራቢንየሪን፡ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ከምኡ ውን ንነበርቲ እቲ ኸባብን እተኻረየ ህንጻ እዩ።

እዞም ኣኽበርቲ ጸጥታ ካራቢንየሪ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኢጣልያ ዝስለፉን፣ ኣብ ውሽጣዊ ህዝባዊ ስርዓትን ድሕንነትን ንዝጽመዱ ወተሃደራዊ ፖሊስ ኢጣልያ እዮም።

ሚኒስተር ጸጥታ ኢጣልያ ጊዶ ክሮሴቶ ከምኡውን ጀነራል ኣዛዚ እዞም ካራቢንየሪ ሳልቫቶረ ሉኦንጎ ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ምስቶም ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ኢጣልያ ሰራዊት ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ፍራንኮ ሳባ ኮይኖም ኣብቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም።

ኣሕዋትን ኣሓትን ብክርስቶስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ክርስትያናዊ ሰላምታ ዝኾነ "ሓውን ሓብትን" ዝብል ቃል ኣተኲሮም ብምስትንታን፣ እዚ ሰላምታ እዚ ነቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝግበር ሕብረት ከም ዘመልክት ሓድነትን ፍቕርን ገይርካ ከም ዝግለጽ ድማ ኣመልከቱ።

"ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ከለና፣ ማለት ከምቲ ኣምላኽ ዘፍቀረናን ንሓድሕድና ብምፍቃር ክንነብር ከለናን ኵላትና ሓቀይና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢየሱስ ኢና እንኸውን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንሓድሕድና ኽንፋቐር ከለና፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ከም ዝሓድር ስለ ዝገብሮ፣ ኵሉ ርክባት ደቅሰብ ኣብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውህበት እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣስተምሃሩ።

"ፍቕሪ ኣምላኽ ኣዝያ ዓባይ ካብ ምዃና እተላዕለ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዲኡ እኳ ኣብ ግዜ መስቀልይ ከም ኣዴና ገይሩ ብሕድሪ ሂቡና ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልባ ብፍቕርን ብተኣማንነትን ስለ እተቐበለቶ ከም ቀዳመይቲ ወደ መዝሙር ጌርካ ኸም እትርአ ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባልት ጸጥታ ኢጣልያ ካራቢኔሪ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣባልት ጸጥታ ኢጣልያ ካራቢኔሪ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ   (@Vatican Media)

ኣብ ግዜ ፈተና ዘድሊ ተኣማንነት

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢጣልያ - ካራቢንየሪ፣ መበል 75 ዓመት ናይቲ ንእምንቲ ድንግል (ቪርጎ ፊደሊስ) ከም ጠበቓ ሰራዊት ካራቢንየሪ እተኣወጀትሉ ኣጋጣሚ ከም ዘኽበሩ ውን ዘከረ ።

ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ሰራዊት ካራቢንየሪ ንተኣማንነት ድንግል ማርያም ከም መርኣያ ናይቲ ነፍሲ ወከፍ ብዓል ስልጣን ንህዝብን ሃገርን ኢጣልያ ዘለዎ ተኣማንነት ከም ምዃኑ ገይሮም ኢዮም ዝቕበልዎ።

ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ንካራቢንየሪ ስለቲ ንህዝቢ ኢጣልያ ዝገበርዎ "ኽቡርን ኣድላዪን ኣገልግሎት" ከምኡውን ነቶም ናብ ሮማ ዝመጹ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነጋድያን ንምዕቋብ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ምስጋናኦም ገለጹሎም።

"ንማሕበራዊ ስርዓት ዘቝስል ዘይፍትሓዊ ተግባራት እኳ እንተ ሃለወ፣ እከይ ክዕወት ይኽእል ኢዩ ኢልኩም ንምሕሳብ ኣይትፈትኑ" በሉ። "ብፍላይ ኣብዚ ውግእን ዓመጻን ዓብሊሉሉ ዘሎ እዋን ከም ኣገልገልቲ መንግስቲ መጠን ንገበን ብሕግን ብቕንዕናን ምላሽ ብምሃብ ንማሕላኹም እሙናት ኩኑ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ደናግል ማሕበር ድኻታት ክላሪሰ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ደናግል ማሕበር ድኻታት ክላሪሰ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ   (@Vatican Media)

ምብጻሕ ናብተን ኣብ ኣልባኖ ዝርከባ ማሕበር ደናግል ድኻታት ክላሪሰ

ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብቲ ኣብ ኣልባኖ ዝርከብ ገዳም ደብረ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ናይ ማሕበር ድኻታት ክላሪሰ ውን ሓጺር ምብጻሕ ኣካይዶም፣ ኣብኡ ኸኣ ምስተን ኣብቲ ቤት ጸሎት ዝጸንሓኦም ደናግል ተራኺቦም ጸልዮም።

ብድሕሪ’ዚ ነተን ኣሓት ደናግል ቃል ሰላምታ ኣካፈልወን፣ ኣብቲ ኣዳራሽ ጉባኤ ማሕበረን ድማ ግዜ ወሲዶም ኣዘራረብወን።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓደ ጽዋዕን ጻሕሊን ከም ህያብ ቅድሚ ምውፋዮምን፣ ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ቕድሚ ምምላሶምን፣ "ቤተ-ክርስትያን ንህይወትኩም ክትፈልጦ ጽቡቕ እዩ" ክብሉ ቃል ተስፋ ኣካፈልወን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤትጸሎት ገዳም ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ማሕበር ደናግል ድኻታት ክላሪሰ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤትጸሎት ገዳም ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ማሕበር ደናግል ድኻታት ክላሪሰ   (@Vatican Media)
16 Jul 2025, 11:21