MAP

ር. ሊ. ጳ.፦ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣስተንትኖ ይሓትት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ስቡህ ኣንተ ኣብ ዘዕረግዎ ናይ መጀመርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንተፈጥሮ ጸምቢሎም፣ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ድማ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ኣብ ዓለምናን ንዅሉ ፍጥረትናን ዕርቀ ሰላም ንምምጻእ ዘሎና ተልእኾ ክቕበሉ ድማ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ክረምታዊ ዕረፍቶም ካብ ዚጅምሩ ሒደት መዓልትታት ጸኒሖም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ስቡህ ኣንተ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ኩሉ ተፈጥሮ ኣዕሪጎም።

እቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቀጽሪ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተደኲኑ ዝርከብ ስፍራ ኣታኽቲ ስቡህ ኣንተ ኢዩ ተኻይዱ፣ ኣባኡ ድማ ሰራሕተኛታት ናይቲ ማእከል ድማ ተሳቲፎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣማላኽ ብጽባቐ ተፈጥሮ ተኸቢቦም ኣብ "ባህርያዊ" ቤተ መቕደስ ነዚ መሥዋዕተ ቅዳሴ የዕርግዎ ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ንድፊ ናይቲ ስፍራ ኣታኽልትን ከምኡ ውን ኣብ ቅድሚ እቲ መንበረ ታቦት ጋብላ ማይ ብምህላዉን ከም ዘመልክቶ፣ ክርስትያን ምእመናን ካብ ሓጢኣትናን ድኽመታትናን ንምንጻህ ብማይ ጥምቀት ከም ዝሓልፍና ንምምልካት ከምቲ ኣብ ጥንታዊ ኣብያተ ክርስቲያን ቀዳሞት ክርስቲያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ዝርከብ መካነ ጥምቀት ዘዘኻኽር ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ደቂ ሰባት ዜሳቕዮም ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝስምኦም ጓሂውን ገለጹ፣ እዚ ባህርያዊ ሓደጋታት እዚ "መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ እቲ መጠኑ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ኣነባብራና ዝስዕብ ዘሎ እዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

"ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቤተ-ክርስትያን ዝርከቡ ንህጹጽነት ቅልውላው ናይዛ ሓባራዊት ቤትና ዘይተገንዘቡ ብዙሓት ሰባት ከይህልዉ እውን ክንጽሊ ኣሎና" ክብሉ ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ንኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ዘዳለውዎ ጽሑፍ ብምምላስ ስፍራ ኣታኽልቲ ስቡህ ኣንተን ህድኣት ዝመልኦ ዅነታቱን፣ ምስቲ ንዓለምና ዘሳቕያ ዘሎ ምውሳኽ ሙቐት ኩነታት ኣየር ብዕምቈት ክነጻጸር ከሎ እተፈልየ ምዃኑ ውን ገለጹ።

"ግናኸ ኣብ ዘመነ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ኸም ዘሎ ንእመን ኢና" ድማ በሉ። ኣስዒቦም ድማ "ኣብቲ ምስ መድሓኔ ዓለም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንራኸበሉ እዋን ድማ ኢና ዘሎና። ንሱ ግን ብዅሉ ልዑላውነቱ ነቲ ህቦብላ ቅላውላውና የህድኦ ኢዩ" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘጋጠሞም ህቦብላ ዘህድኣሉ ተኣምራት እንከስተንትኑ፣ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሰሎ ምሳልያዊ ዛንታታት፣ ነቲ ንተፈጥሮ ብሙሉኡ ዘውርሶ ናይ ህይወትን ወቕትታትን ስኒት ብተደጋጋሚ ከም ዘዘካክረና ውን ገለጹ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንንፋሳትን ንባሕርን ኪገንሖ ኸሎ "ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅድሚኡ ዘለዉ ፍጡራቱ ዝሓልየሉ ሓይሊ ህይወትን ድሕነትን ከም ዘለዎ ገለጸ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን ንፍጥረት ክንከናኸን ዘሎና ተልእኾ፣ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዕርቀ ሰላም ምእንቲ ከነስፍን ብጐይታ ሕድሪ ተዋሂቡና ኢዩ።

"እዚ ኣውያት እዚ ኣብ ልቢ ኣምላኽ በጺሑ እዩ እሞ፣ ኣውያት ምድርን ድኻታትን ንሰምዕ ኣለና። ቍጥዓና ቝጥዓኡ እዩ፣ ዕዮና ድማ ዕዮኡ እዩ" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ነቲ "ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡራትን ዘሎ ዘይፈርስ ኪዳን" ስለ እትምስክር ንእከይ ናብ ሰናይ፣ ንምጕዳል ፍትሒ ከምኡውን ስስዐ ናብ ሕብረትን ምህደትን ንምቕያር፣ ናብ ኣህዛብ ብምኻድ ሓቂ ኽትምስክር ተጸዊዓ ኣላ።

ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ ኣብቲ ኣምላኽ ንዅሉ ህይወት ዚህብ ተፈጥሮ ዘለዎ ፍቕሪ ኸም ዜተኰረ ውን ዘከሩ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ርክብ ብምስትንታን ጥራይ ኢዩ፣ ካብቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጽእ ነቲ ምስ ኣምላኽን ብጻይናን ምድርን ዘሎና ርክብ ዝብተኽ ዘሎ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ክንወጽእ እንኽእል።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንስፍራ ኣታኽልቲ ስቡህ ኣንተ ምስ ተፈጥሮ ዚሰማማዕን ንተፈጥሮ ዚሕልወሉን ሓድሽ መገድታት ዝረኽበሉን ቤተ ምርምር ኪኸውን ከም ዝደልዩ ዝገለጹሉን ስጉምቲ ኢዩ ዝነብረ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንክርስትያን ምእመናን ካብ ቅዱስ ኦጐስጢኖስ ኣብነት መንፈሳዊ ተሓድሶ ብምኽታል ስኒት ኣብ መላእ ዓለም ክስፍሑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

"ጐይታይ ንሕና ምእንቲ ኸነፍቅረካ ግብርታትካ ይውድሰካ ኣሎ፣ ግብርታትካ እውን ምእንቲ ኺውድሰካ ነፍቅረካ ኣሎ" ክብሉ ካብ ጸሎታት ቅዱስ ኣጐስቲኖስ ብምጥቃስ ስብከቶም ዛዘሙ።

10 Jul 2025, 15:38