MAP

ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. ናይ ወርሒ ሓምለ፦ 'ምእንቲ ኣብ ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ዘድሊ ሜመያ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ሓሳብ ጸልቶ ናይ ወርሒ ሓምለ መግለጺ ኣውጺኦም፣ ንህይወትና ቕኑዕ መገዲ ብኸመይ ከም እንመርጽን፣ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዜርሕቐና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብኸመይ ከም እንነጽጎን ምእንቲ ኽንፈልጥ ውን ክንጽሊ ይዕድሙና።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ከም ብሓድሽ ብኸመይ ከም እንመሚን፣ መገዲ ህይወትና ብኸመይ ከም እንመርጽን ከምኡውን ንዅሉ እቲ ኻብ ክርስቶስን ወንጌልን ከም እንርሕቕ ዝገብረና ነገራት እንርሕቕን ንጸሊ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብቲ ናይ ሓምለ 2025 ዘቕረብዎ ሓሳብ ጸሎት በታ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎቶም እተቃልሕ ዘ ፖፕ ዘርእስታ ቪድዮ መግለጺ ኣውጺኦም።

ኣብታ ብጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ መርበብ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ናይ ሜመያ መስርሕና ኣተኲርና ክንጽሊ ሓሳብ ኣቕረቡ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ናይ ሕይወት ውሳነታትና ምእንቲ ክመርሓና ነቲ ለውሃት ዝመልኦ ድምጺ ኣምላኽ ጽን ኢልና ምእንቲ ኽንሰምዕን ውን ጸልዮም።

ጽን ኢልና ኽንሰምዕ ከለና 'ስዉር መገዲ ልብና ከነስተውዕልን' ንኣምላኽ ብሓቂ ዜገድሶ እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእን ከም ዘሎና ውን ገለጹ።

ከምዚ ክብሉ ድማ ጸልዮም - "ንኣኻይዳይ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ስምዒታት ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ግዜ ዘየስተብህለሉ ነገራት ንኸተስተብህል ጸጋ ኽትህበኒ እልምነካ ኣሎኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተተኸታተልቲ እዚ መደባት ሓሳብ ጸሎቶም፣ ምርጫታትና ምጥርጣርን ድኻምን እናሃለወ ኽነሱ ከም ብሓድሽ ክንጅምር እናጸዓርና ናብ "ሓጐስ ወንጌል" ክመርሓና  ንጽሊ ክብሉ ውን ተላበዉ።

"ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ እቲ ጕዕዞ ምጽናዕኩም ፍረ ቕኑዕ ውሳነ እዩ" ብምባል ውን የረጋግጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ብምልማን ብዘቕረብዎ ጸሎት ውን ሓሳባቶም ዛዘሙ፣ "ነቲ ኻብ ክርስቶስ ዘርሕቐና ነገራት ምእንቲ ኽነጽጎ ንጐይታ ከአ ምእንቲ ኸፍቅሮን ብዝያዳ ምእንቲ ኸገልግሎን እንታይ ኢዩ ዝድርኸና?" ክብሉ ውን ይሓትቱ።

ሜመያን ንፈተናታት ምንጻግን

ኣብቲ ብዛዕባ ዘ ፖፕ ዘርእስታ ቪድዮ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልሙስ ወይ ዝፈርህ ብምዃኑ "ኣብ ህይወት መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት" ከም ዜጋጥሞ ውን ይገልጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሜመያ ንኽንለምድ ዘቕረብዎ ጸሎት፣ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ድምጺ ኣዕሚቝና ብምስማዕ፣ ኣብ ህይወትና ቅኑዕ መገዲ ንኽንመላለስ ክሕግዘና ይዕድሙ።

ኣብታ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ንሓንቲ ኣብ ዱር ዝጠፍአት መንእሰይ ቅኑዕ መገዲ ኸተናዲ ዝርኢ ምስልታት ውን ይርአ። ንሳ እትጕዓዘሉ መገዲ ኸተናዲ ኸላ ካብ ዘየድሊ ጾር ናጻ ትኸውን፣ ንስጕምታታ እትመርሓሉ ብሶላን ካርታን ድማ ረኸበት። እታ መንእሰይ ቅዱስ ወንጌል ከፊታ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሒዛ ናብ ሓደ ጭርሒ ወጸት፣ ኣብኡ ድማ ምርሒት ክትረክብ ብጽሞና ጸለየት።

ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘወርፈይዎ ናይ መጀመርታ ጸሎት፣ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መጽሓፈ ኑዛዜኡ ዘቕረቦ ህቡብ ጸሎት ዘቃልሕ ውን ኢዩ - "ኦ ኣምላኽ ክፈልጠካ ዝኽእል ምዃነይ ንርእሰይ ኣፍልጣኒ!" ውን ይብሉ።

"ንምስትውዓል ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓቂ ምግባር፣ ናብ ገዛእ ርእስኻ ምእታው ድኽመታትካ ምእማን ከምኡውን ጐይታ ንከሕውየካ ምሕታት ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የመልክት። እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ሓቀይና ርክብ ብምምስራት እንደገና ንኽትውለድ ዚድርኽ ስጕምትታት እዩ" ይብሉ።

እዚ መስርሕ እዚ ሜመያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፣ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ መዓልታዊ ተግባራትና ናብ ልባትና ዚመርሕ መገዲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ ኬስተውዕሉ ዝሕግዞም እዩ።

ክቡር ኣባ ክሪስቶባል ፎነስ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን፣ ኣህጉራዊ ዳይረክተር ጳጳሳዊ ዓለም ለኻዊ መርበብ ጸሎት፣ ነቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ ሓሳብ ጸሎት ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ኸነስተውዕል ነፍሲ ወከፍና ክንልማመዶን ክንስዕቦን ከም ዘሎና ውን ገለጹ።

ኣስዒቦም ድማ ከምዚ በሉ - "ጸሎት ብሕታዊ ኣስተንትኖን መጽናዕቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ከምኡውን መንፈሳዊ ምርሒትን ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መዳይ ከም ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓሚቝ ርክብ ክህልወካ ምዅስኳስ እዩ።"

ጸልትት ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ምእንቲ ሜመያ

ኦ መንፈስ ቅዱስ፣ ንስኻ ንውሳነታትና ዘብርህ ብርሃን፣
ንሜመያና ዝመርሕ ህዱእ እስትንፋስ ኢኻ፣

ነቲ ሕቡእ መገድታት ልበይ ምእንቲ ኸስተውዕልን፤ ንልበይ ካብ ጸገማቱ ምእንቲ ኸላቕቖን፣

ንድምጽኻ ጽን ኢለ ኽሰምዖ ጸጋ ሃበኒ።

ብኸመይ ከም ዕረፍቲ ከም ዝረክብ፣ ብኸመይ ከም ዝጕዓዝ፣
ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ስምዒታት፣
ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ግዜ ዝውሕጠኒ ሓሳባት ንኽርዳእ ጸጋ ክትህበኒ እልምነካ ኣለኹ።

ዋላ እውን ናይ ምጥርጣርን ድኻምን እዋናት እንተ ኣሕለፍኩ፣
ዋላ እውን ክቃለስ ከስተንትን ክምርምርን፣
ከምኡውን ከም ብሓድሽ ክጅምርን እንተ ነበረኒ . . .
ኣብ መወዳእታኡስ እብቲ ጕዕዞ ምጽንዐይ ፍረ ቕኑዕ ውሳነ እዩ።

ነቲ ኻብ ክርስቶስ ዜርሕቐኒ ነገራት ምእንቲ ኽነጽጎ፣

ንጐይታ ምእንቲ ኸፍቅሮን ብዝያዳ ምእንቲ ኸገልግሎን፣

እንታይ ከም ዚድርኸኒ ዓሚቝ ምርዳእ ሃበኒ።

ኣሜን ።

04 Jul 2025, 14:39