MAP

Udienza generale di Papa Leone a San Pietro Udienza generale di Papa Leone a San Pietro  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ “እቲ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጥሉ መገዲ የሕውየና ደኣ እምበር ኣየሸግረናን ኢዩ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ በቲ ፈዋስን ልኡምን ቃላቶም ኣቢሎም ብኣግባብ ክዛራረቡ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ረቡዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ብተኸታታሊ ክገብርዎ ዝጸንሑ ትምህርትታት ብዛዕባ ወንጌላዊ ተልእኾን ህይወትን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ከም ዝበጽሐ ብምሕባር፣ ንሎሚ ድማ ብዛዕባ ምስላታትን ናይ ምፍዋስ ተምራታትን ከም ዘስተንትኑ ብምግላጽ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስታፍ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ እሙናት ኣብ ዝለገስሎም ኣስተንትኖ "ኣብዚ እዋን እዚ እውን ፈውሲ ምሕረት የድልየና ኢዩ" ብምባል፣ ኣቓልቦ ዅሉ ሰብ ናብ ህሉው ኵነታት ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም በቲ ንሰብኣዊ ኽብረት ኣጸቢቑ ዘቝስል "ዓመጽን ጽልእን ዝመልኦ ሃዋሁ" እትልለ ምዃና ውን ገለጹ። ማሕበረሰብና ካብ ጽምዋ ዘይኰነስ ካብ መጠን ንላዕሊ ጾር ስለ ዘለዎ፣ ይሓምም ከም ዘሎ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ከምዚ ድማ በሉ - "ሓድሓደ ግዜ ብሓሶት ወይ ብቔናን ዝኾነ ርድኢታት ተደናጊርና ኢና እንራኸብ።" ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ እንጥቀም ከም እንደክምን ከም እንደናገርን ዝገብረና ስምዒታዊ 'ምንሻውን ወይ ዓለቘይና' ከም ዘፍሪ ውን ኣጠንቀቑ።

ኣብ መንጎ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ገዛእ ርእሶም እጽዋት ክገብሩ ከም ዝፍትኑ ኪፍተኑ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምጥቃጽ ኣስተንትኖኦም ቀጸሉ። ቃላትና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተነቃፊ እናዀነ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ "ዋላ ሓንቲ ኺስምዓና እውን ኣይንመርጽን ንኸውን ኢና" በሉ።

ንኻኦት ውን እተሰኒ ቤተ-ክርስትያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኻብ ወንጌል ማርቆስ እተወስደ ብዛዕባ ናይ ሓደ ጽማምን ዓባስን ሰብኣይ ምፍዋስ ዚገልጽ ክፍሊ ወንጌል ጠቒሶም ድማ ኣስተንተኑ። እዚ ሰብኣይ እዚ ንገዛእ ርእሱ ንኽፍወስ ኣይደለየን፣ ካልኦት ኢዮም ናብ ኢየሱስ ዘምጽእዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ዛንታ እዚ ምስሊ እቶም ንኻልኦት ሰባት ዜሰንዩ፣ ብፍላይ ከኣ ድምጾም ወይ ናይ ምስማዕ ክእለቶም ምስ ዚሰኣኑ ሰባት ንዘሰንዩ፣ ከም ምስሊ ቤተ ክርስትያን ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ ።

እዚ ሰብኣይ ምስ ኢየሱስ ድሕሪ ምርኻብ እንደገና ኺዛረብ ጀመረ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኸም ዝገለጽዎ ኸኣ እዚ ዝርዝር ዛንታ እዚ ዓሚቝ ሓቂ እዩ ዝገልጸልና ። ምናልባት ብኸመይ ከም ዚዛረብ ስለ ዘይፈልጥ ወይ ከኣ እኹል ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖ ስቕ ዝበለ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ሰባት ብጌጋ ከም እተረድኡና  ዀይኑ ስለ እተሰምዓና ክንደይ ሳዕ ኢና ምዝራብ እነቋርጽ? ክብሉ ውን ሓተቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ኣብ ምዝዛም ሓቀይና ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን፣ ውጽኢታዊ ብዛዕባ ምዃንን ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ምሕዋይ ማለት ብቓላትና ንኻልኦት ብዛዕባ ዘይምጕዳእ ዘዘኻኽረና ክፍሊ ወንጌል ምዃኑ ውን ኣዘኻኸሩ። "ብልክዕ ምዝራብ መጀመርታ ጕዕዞ እዩ" በሉ። እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ ብውዕዉዕ ስምዒትን መንገዲ መስቀልን ኣቢሉ ናብ ኢየሱስ እዩ ዝመርሓና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ "ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉ መገዲ ምእንቲ ከነስተኻኽል፣ ንቤተ ክርስትያን ምእንቲ ኽንሕግዛን፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቃሉ ኽስምዓሉን ክሓውየሉን መልእኽተኛ ድሕነት ኣምላኽ ምእንቲ ክኸውንን ንጐይታ ንለምኖ" ብምባል ድማ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

30 Jul 2025, 17:13