ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ሮማ ብዘጋጠመ ፍንጀራ መዐደሊ ጋዝ ዝተሃስዩ ጸሎቶምን ቅርበቶምን የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ምብራቓዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ መዐደሊ ነዳዲ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ዝተሃሰዩን ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቁጽጻር ዝተዋፈሩን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ቅርበቶምን ጸሎትምን ዘረጋግጽ መልእኽቲ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex_it ብዝብል ብቋንቋ ጣልያን ዝጥቀምሉ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዓርቢ 4 ሓምለ ድሕሪ ሰዓት 08፡15 ዘጋጠመ ፍንጀራ መዐደሊ ነዳዲ ትሽዓተ ኣባላት ፖሊስ፡ ሓደ መጥፋእቲ ሓውን ቀዳማይ ምላሽ ዝህብን ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሰባት ከም ዝቖሰሉን፣ ቅዱስነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ንዝተተንከፉ ጸሎቶምን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እንከመላኽት፣ ብመሰረት መባእታዊ ጸብጻባት ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ሮማ፡ እቲ ፍንጀራ፡ ኣብቲ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ዝመልእ ዝነበረ መዕቆር ነዳዲ መስመር ሻምብቆ ብምፍንጫሉ ዝተፈጥረ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ይኹን እምበር ሕጂ እውን ትኽክለይና ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ይጽዕር ምህላዉ ከም ዝሓበረን ከንቲባ ከተማ ሮማ ሮበርቶ ጓልቲየሪ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንምግምጋም ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ከባቢ ምብጻሕ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።