MAP

2025.07.25 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ ምስ ክርስቶስ ምሕዝነት ንክርስትያናዊ ሓጎስ መፍትሕ እዩ! 2025.07.25 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ ምስ ክርስቶስ ምሕዝነት ንክርስትያናዊ ሓጎስ መፍትሕ እዩ!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ ምስ ክርስቶስ ምሕዝነት ንክርስትያናዊ ሓጎስ መፍትሕ እዩ!

ምስ ክርስቶስ ምሕዝነት ምዅስኳስን ናይዚ መምህር ቅርበትን ፍቕርን ተመክሮ ምግባር ንካህናትን ንዓለማውያን ምእመናንን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 25 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዛቨርያውያን ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ተጋባእያንን ከምኡ እውን ኣብ ዓውደ ሕንጸት ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣሕሉቕ ስነ መዕበያ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ ኢየሱስ ዕርክነት ምዅስኳስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ . . . ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ረጂና ኣፖስቶሎሩ ንናይ ዘርኣ ክህንት ኣሕሉቕ ስነ መዕበያ ኣብ ዝተዋህበ ዓውደ ህንጸትን ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ማሕበር ሳቨሪያውያን ልኡካነ ወንጌልን ንዝተጋብኡ፣ ዕለት 25 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ተጋባእያን በቢ ሸነኾም ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባን ዓውደ ሕንጸትን፣ “ዝተፈላለየ ፍጻሜታት እውን እንተኾነ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ንጡፍ ተልእኾ ወንጌል ከነብልን ብድሆታት ስብከተ ወንጌል ክንገጥም ስለ እተጸዋዕና፣ ዘራኽቦ ናይ ሓባር ባይታ ክንርኢ ንኽእል ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ‘ሓደ ሓሳብ’ ይሃልወና

እዚ ጻውዒት እዚ ንኹላትናን ነቶም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበልናን ምእመናንን ዝምልከት ኣብ ፍሉይ ፍልጠት ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ፣ ንወንጌል ምእንቲ ኼንጸባርቑን ከም ክርስቶስ ኢየሱስ 'ሓደ ዓይነት ሓሳብ' ምእንቲ ኺህልወናን ንሰብኣውነትናን ንመንፈሳውነትናን ንምቕያር ዕላማ ኺህልዎ ኸም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ብናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ “ሕጉሳት ካህናት” ብዝብል መርሕ ቃል ንካህናት ዝተወፈየ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ኣአንጊዱ ከም ዝነበረ ዘኪሮም፣

“ብሓጎስ ወንጌል ውዕዉዕ ምዃን፣ ንካህናት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኹሉ ሰብ እውን ዝምልከት እዩ፣ ስለዚ ድማ ብዛዕባ ሕጉሳት ክርስትያን፣ ሕጉሳት ደቀ መዛሙርቲን ሕጉሳት ልኡካነ ወንጌልን ክንዛረብ ንኽእል ኢና”።

ናይ ሓደ ክርስትያን 'ቤት' ኣብ 'ከውሒ' ክምስረት ኣለዎ

እዚ ተስፋ እዚ ተራ ጭርሖ ኮይኑ ከይቕጽል ወይ ከይተርፍ ስነ መዕበያ ኣገዳሲ እዩ። "ብሓቂ እቲ 'ቤት' ህይወትናን ጸዋዕታዊ ጉዕዞናን፡ ክህነታዊ ይኹን ዓለማዊ ምእመን፡ ኣብ 'ከውሒ' ክምስረት ኣድላዪ እዩ" ማለት "ነቲ ሕይወት ክርስትያን፡ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ከይተረፈ ካብኡ ነጻ ዘይኮነሉ ሰብኣውን መንፈሳውን ህቦብላታት ክንገጥሞ መታን ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ክምስረት ኣለዎ . . . ምስ በሉ ቀጺሎም "ቤትና ኣብ ከውሒ ከመይ ጌርና ክንሃንጾ ንኽእል?" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፣ ምስዚ ብዝምልከት ድማ ሰለስተ ሓጸርቲ ሓሳባት የቕርቡ . . .

ናይ መምህር ቅርበትን ፍቕርን ብውልቂ ተመክሮ ምግባር የድሊ

እቲ ቀዳማይ፡ "ምስ ኢየሱስ ዕርክነት ምዅስኳስ" ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ መሰረት ናይታ ቤት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ "እዚ ድማ ኣብ ሕመረት ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታን ሓዋርያዊ ተልእኾን ክኸውን ኣለዎ"።

"ብውልቂ ምስቲ እንኮ መምህር ቅርበት ክንመሃር የድሊ፣ ብወገንና  ብጸጋን ብዘይ ብቕዓትናን ብጐይታ ከም ዝተራእና፡ ከም እተፈቐርናን ከም ዝተሓረናን ክንፈልጥ ኣሎና፡ ምኽንያቱ ልዕሊ ኩሉ ናይ ገዛእ ርእስና ውልቃዊ ተመክሮ እዩ ድሕሪኡ ኣብ ኣገልግሎትና እነስፍሖ . . .

"ብተወሳኺ ኣብ ሕይወት ክህነት ካልኦት ኣብዚ ጸዋዕታ እዚ ክንሃንጽ እንኮሎና፡ ከም ፍሉይ ጸዋዕታና ድማ ኣብ ሃገራት ተልእኾ ወንጌል ክንእውጅ እንኮሎና፡ መጀመርያ ኣብ ኣገባብ ኣነባብራና፡ ኣብ ኣተሓሳስባና፡ ኣብ ሰብኣውነትና፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከመይ ጌርና ጥዑይ ዝምድናታት ክንነብሮ ዓቕሚ ከም ዘሎና ዝንጸባርቕ ምስ ክርስቶስ ናይ ምሕዝነት ውልቃዊ ተመክሮና ነብርህ" እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብቐጻሊ ኣብ ነብስና ክንሰርሕ የድልየና

ስብከተ ወንጌል ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን "ምስክርነት . . . ብውልቂ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምርኻብ ምስክርነት" ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ፡ ቀጻሊ ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ከም ዝሓትት ኣሚኖም፡ ኣብኡ ድማ "ብቐጻሊ ኣብ ገዛእ ርእስና ክንሰርሕ ኣሎና . . . ናብ ልብና ንምጥማት ጽላሎትን ቍስልን ንምርኣይ ድሕሪኡ መኸወሊ ገጻትና ሓዲግና ምስ ክርስቶስ ውስጣዊ ዕርክነት ንምምዕባል ትብዓት ንምርካብ ሓባራዊ ጻዕሪ የድሊ . . . በዚ መንገዲ እዚ ህይወትና ብወንጌል ንኽልወጥ ክንፈቅድን ሓቀይና ልኡካነ ወንጌልን ደቀ መዛሙርትን ድማ ክንከውን ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ እቲ ካልኣይ ሓሳብ "ኣብ መንጎና ውጽኢታውን ስሚዒታውን ሕውነት ክንነብር" ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ በዚ መዳይ እዚ፣ "ውልቃውነትን ንኻልኦት ናይ ምብዳህ ድሌትን ንምብዳህን ተወዳደርቲ ዝገብረና ድሌትን ንምስዓር ኣብ ገዛእ ርእስና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣሎና . . . በብቑሩብ ጥዑይን ሕውነታውን ዝኾነ ሰብኣውን መንፈሳውን ዝምድናታት ክንሃንጽ ክንመሃር ኣሎና" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ "ብመትከል ኣብዚ ኩሉ ዝሰማማዕ ይመስለኒ፡ ኣብ ክውንነት ግን ገና ነዊሕ መንገዲ ከምዘሎ" ከነስተውዕል ይግባእ ከም ዝበሉ የመላኽት።

ካህናት በይኖም ኣይኮኑን

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ሳልሳይ መዳይ፣ "ንኹሎም ዝተጠመቑ ተልእኾ ምክፋል" ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ከምቲ ዝተዓዘብዎ "ካህናት እውን ኣብዚ ክህነጹ ኣለዎም፣ ንነብሶም በይኖም ከም መራሕቲ ገይሮም ከይሓስቡ፣ ወይ ድማ ነቲ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበለ ብናይ ልዕልና ስምዒት ከይነብሮ መታን . . . ኣብዚ ነጥቢ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ዓለማውያን ሰባት ጸጋ ጥምቀትን ካብኡ ዝፈስስ ህያባት መንፈስ ቅዱስን ከለልዩን ከድንቑን ዝኽእሉ ካህናት የድልዩና፣ ምናልባት እውን ነዞም ህያባት እዚኦም ክፉታት ክኾኑን ዝሕግዝዎምን ድሕሪኡ ድማ ንሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ንምሕጋዝ ቃል ዝኣትዉ ትብዓትን ኒሕን ክረኽቡ ዝሕግዙ . . . ብጭቡጥ ኣዘራርባ እዚ ማለት ምድላው መጻኢ ካህናት ኣብ ክውንነት ህዝቢ ኣምላኽ እናወሰጠ ብኣበርክቶ ኣባላቱ ማለት ካህናትን ዓለማውያንን ቅዱሳን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክፍጸም ኣለዎ - ምስ በሉ - ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምዝዛሞም ስለ እቲ ርክብ ልዕሊ ዅሉ ግና ስለ ዘገልገሉ፡ ስነ መዕበያ ክህነት ኣብ ምፍጻም ሓልዮት፡ ከምኡ’ውን ኣብተን ብዙሕ ግዜ ዝቖሰላን ተስፋ ወንጌል ዘድልየንን ሃገራት ስለ ዝፍጽምዎ ወንጌላዊ ዕዮ ኣመስጊኖም፡ ጉዕዞታትኩም ክትቅጽሉ እላቦ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Jul 2025, 17:49