ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ንኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ደናግል 'ኣምላኽ ኵለንትናኽን ድዩ?'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ዘለዎ ጸብለልትነት ክዛረብ ከሎ 'ኣምላኽ ኩለንትናኻ ኢዩ፣ ንሱ ኩል ነገርካ ኢዩ። እንተ ጠሚኻ ኣምላኽ እንጌራኻ እዩ፣ እንተ ጸሚእካ ኣምላኽ ማይካ እዩ፣ ኣብ ጸልማት እንተ ኣሊኻ ኣምላኽ ከቶ ዘይሃስስ ብርሃንካ እዩ፣ ዕሩቕ እንተ ዄንካ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ክዳንካ እዩ" በለ። እዚ ቓላት እዚ ንዓይ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚምልከተኒ? ጐይታ ነቲ ጽምኢ ህይወትን ፍቕርን ብርሃንን ክሳዕ ክንደይ ኮን የዕግበኒ?'"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንደናግል ደቂ መለኮታዊ ፍቕሪ፣ ኣሓት ደናግል ሥርዓት ቅዱስ ባስልዮስ ዓብዪ፣ ኣሓት ደናግል ኣጐስጢኖሳውያን፣ ኣሓት ደናግል ኣምፓሮ ከምኡውን ፍራንሲስካውያን ኣሓት ደናግል ቅዱስ ልቢ ኣብ ተቐቢሎም ነዚ ቃለ መዕዳን ኣመሓላለፉለን።
ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ
ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ዝለገሱለን ቃለ ምዕዳን "እዚ ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረትካ ምዃን፣ ነቶም ከማና ዝኣመሰሉ ውህበትን ዓቕምን ሒዞም ቀቅድሜና ዝሓለፉ ምናልባት ፈጺሞም ኪፍጽምዎ ዘይክእሉ ዀይኑ እተሰምዖም ነገራት ንኺገብሩ ዝመርሖም ምኽንያት ኢዩ ዝነበረ" በሉ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኣድናቖት፣ ነዚ ሰናይ ዘርኢ ንኽዘርኡ ኣኽኢልዎም ኢዩ፣ እዚ ዘርኢ እዚ ኸኣ ንዘመናት ኰነ ኣብ ኣህጉራት ብተጋድሎ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም በጺሑ ኣሎ።
ብቕድስና እተደረኸ
ገለ ኻብዘን ደናግል ብምኽንያት ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበራትን፣ ገሊኣተን ከኣ ብምኽንያት ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ኣባኡ ከም እተረኽባ፣ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ከኣ "ንጐይታ ዘለወን ፍቕርን ንቤተ-ክርስትያን ዘለወን ተኣማንነትን ንምሕዳስ" ናብ መቓብር ሰይንት ጴጥሮስ ከም ዘካይዳ ዘለዋ ዘከሩ።
ቅዱስ ኣቦ ነተን ማሕበራተን ኣብ እተፈላለየ ግዜን ኣብ እተፈላለየ ዅነታትን ከም እተመስረተ እኳ እንተ ኣስመሩሉ፣ ታሪኾም ግን "ብመሰረት ነቶም መስረቲ ማሕበራተን ኣጐስቲኖስ ባሲል ፍራንቸስኮ ዝኣመሰሉ ንመንፈሳዊ ህይወት ዝምስክሩ ዓበይቲ ታሪኻውያን መሰኻኽር ክርአ ዝኽእል ሓባራዊ ዘይተበትከ መስመር ታሪኽ ኢዩ ዘለወን፣ እዞም መስረትቲ እዚኣቶም መንፈሳውነትን ተጋድሎን ከምኡውን ቅድስና ህይወት ብምልባስ ንኻልኦት ዘገልግሉሉ ሓድሽ መገድታት ንኸስፋሕፍሑ ደሪኽዎም ኢዩ" በሉ።
እዚ ኸኣ ነቶም ዝደኸሙ እንተላይ ነቶም ህጻናትን ድኻታትን ኣዋልድን ኣወዳትን ዘኽታማትን ስደተኛታትን ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንኣረጋውያንን ንሕሙማትን ንኻልኦት ኣገልግሎት ግብረ - ሰናይን ኣብ ምውፋይ ተራእዩ ኢዩ ።
ምስ ኣገዳሲ ምርጫታት ምግጣም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከምዚ ብምባል ኣጕልሑ - "ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘጋጠመ ብድሆታትን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ቃልስን እትህብዎ ምላሽ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ርእሶም ናይ ምውፋይ ሓድሽ መገዲ ዝስዕቡ ንኣምላኽን ንጐረባብቶምን ዘፍቅሩ ከምኡውን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ምልክታት ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ሰባት እቲ ዝበለጸ መገዲ ናይቲ ጥንታዊ ዝኾነ ጥበብ ወንጌል እሙን ምዃን ምዃኑ ንጹር ግብረ መልሲ ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም በዚ ኣተሓሳስባዚ እዚ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓላፍነተን ኣዘኻኸርወን።
"ብዛዕባ መጻኢኹም ከምኡ ውን ምእንቲ ኣሓትክን ንቤተ-ክርስትያንክን ወሳኒ ዝኾነ ኣገዳሲ ምርጫታት የጋጥመክን ኣሎ" ብምባል ውን ኣጕልሑ፣ ከምዚ ድማ በሉ - "ስለዚ ኸኣ ኵላትና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ክዛረቦም ከሎ ከም ዝገለጾ ባህ ዘብል ተስፋ ብምድጋም ኣብ መደምደምታ ውሳኔ ምብጻሕ ግቡእ ኢዩ ዝመስል ክብሉ ውን ተላበውወን።
ቅዱስ ጳውሎስ "ሱር ሰዲድኩምን ብፍቕሪ ተደርበኹምን ክርስቶስ ብእምነት ኣብ ልብኹም ኪሐድር እጽሊ አሎኹ። ብዅሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ ስፍሓቱን ንውሓትኡን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ሓይሊ ምእንቲ ኺህልወኩም እጽሊ አሎኹ" ንዝበሎ ብምድጋም ኣጸናንዕወ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፣ ነተን ኣሓት ደናግል ሰብ ውፉይ ሕይወት ስለቲ ኣገልግሎተንን ተኣማንነተንን ኣመስገንወን፣ ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ብሕድሪ ኣወፈይወን።