MAP

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራት ሰራሕተይናታት ኢጣልያ፡ ንደቂ ሰባት ዘገልግሉ ሰላማዊ ሕብረተሰብ ምድንፋዕ ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራት ሰራሕተይናታት ኢጣልያ፡ ንደቂ ሰባት ዘገልግሉ ሰላማዊ ሕብረተሰብ ምድንፋዕ 

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራት ሰራሕተይናታት ኢጣልያ፡ ንደቂ ሰባት ዘገልግሉ ሰላማዊ ሕብረተሰብ ምድንፋዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመበል 20 ሃገራዊ ጉባኤ ኪዳናዊ ማሕበራት ሰራሕተይናታት ኢጣልያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ምዕባለ ሰላማዊ ሕብረተሰባት ከስፍሑ" ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝያዳ ሰብኣዊ ስርዓት ማሕበራዊ ዝምድናታት ምድንፋዕ፡ ከምኡ’ውን ሰላማውን ፍትሓውን ሕብረተሰባት ኣብ ኣገልግሎት ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ሰናይ ሰብኣዊ ስድራቤትን ምድንፋዕ” ኣድላዪ እዩ እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዕለት 16 ሓምለ ከተማ ሮማ “ትብዓት ተሳትፎ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኸፍተ መበል 20 ሃገራዊ ጉባኤ ኪዳናዊ ማሕበራት ሰራሕተይናታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መበል 20 ሃገራዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ማሕበራት ሰራሕተይናታት ኢጣልያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ንዋና ጸሓፊት ኪዳናዊ ማሕበራት ሰራሕተይናታት ዳኒኤላ ፉማሮላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ንጥፈታት ማሕበራውነት ዘመልክት ፍልዩ ምዕራፍ ምዃኑ ብምድናቕ ንኣዳለውቲ፡ መደርትን ተሳተፍትን “ልባዊ ሰላምታ” ከም ዘቕረቡን፣ "እቲ ኣገዳሲ ዓውደ - ጉባኤ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሓላፍነታት ዝያዳ ፍልጠት ከም ዝህልወካ ንምግባር ሓድሽ ቈራጽነት ዘሕድር እዩ" ዝብል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ልኡካን ከምቲ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ኣብታ ከተማ ኣምላኽ (De Civitate Dei) ዘርእስታ መጽሓፉ ከም ዝገልጾ፣ “ነቲ tranquillitas ordinis - ንህዱእ ስርዓት ኣበርክቶ ምግባር ዝብል ናይ ሓባር ሸቶ ከይስእኑ” ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታሬላ

ብተወሳኺ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ሰርጅዮ ማታሬላ ናብ ጠቕላሊት ዋና ጸሓፊ ኪዳናዊ ማሕበራት ሰራሕተይናታት ኢጣሊያ ፉማሮላ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ “ናጽነትን ዲሞክራስን፡ ኣብ ኢጣልያን ኣብ ኤውሮጳን፡ ተሳትፎ ሰራሕተይናታት የድልዮ - ቢሎም - ዋጋ ናይቲ ኪዳናዊ ማሕበራት ሰራሕተኛታት  - CISL “ትብዓት ተሳትፎ” ዝብል ዝመረጾ ናይቲ ጉባኤ መርሕ ቃል ኣብ ማእከል ጉባኤኡ ንኸንብሮ ዝወሰዶ ውሳነ፣ “እወታዊ ምልክትን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘተ ኣበርክቶ” ምዃኑ ብምግላጽ ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም፣ ማሕበር ሰራሕተይናታት ኣብ ምህናጽ ማሕበራዊ ቅድታት ኤውሮጳ ዘለዎ ታሪኻዊ ተራ ኣዘኻኺሩ፡ እዚ ድማ “መወከሲ መሰላት ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተይናታት” ኮይኑ ከምዘገልግል ብምምልካት፣ ኣስዒቡ "ንነጻን ክቡርን ህላወ ዘድሊ ናይ ምስራሕ መሰልን ግቡእ ደሞዝን" ንምዕባለን ስልጣነን ድርኺት እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Jul 2025, 17:20