ር. ሊ. ጳ. ልዮን ቕድሚ ክረምታዊ ዕረፍቶም ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ክኸዱ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 3 ሓምለ ናብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ብምኻድ ነቲ ኣባኡ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ዳግመ ህንጻት ከም እተዓዘቡ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣግሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 6 ሓምለ ኣትሒዞም፣ ኽሳዕ ዕለት 20 ሓምለ ንእተወሰነ እዋን ናብታ ካብ ሮሜ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ብምኻድ ግዜ ዕረፍቲ ክወስዱ ኢዮም።
ኣብዘን 14 መዓልትታት እዚኣተን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብ ሰንበት ዕለት 13 ሓምለ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብቲ ኣብ ቪላኖቫ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቍምስና ቅዱስ ቶማስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። ሰዓት 12፡00 ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ ቅርዓት ፍሪደም ኣብ ቅድሚ ሓዋርያዊ ህንጻ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ክመርሑ ኢዮም።
ሰንበት ዕልት 20 ሓምለ ልክዕ ሰዓት 9፡30 ኣብ ካቴድራል ኣልባኖ ኸም ብሓድሽ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። እቶም ኣቐዲሞም ካርዲናል ሮበርት ፕሪቮስት ዝነብሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ምምራጾም ስዩም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ኣልባኖ ኢዮም ዝነበሩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ልክዕ ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኣደባባይ ፍሪደም ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ክመርሑ እዮም። ብድሕሪኡ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክፍለ ግዜ ናብ ሃገረ ቫቲካን ኪምለሱ ኢዮም።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ኵሎም መደባት ብሕታውን ርክባትን ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ከቛርጹ ኢዮም። ስዒቡ ዝቕጽል ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ረቡዕ ዕለት 30 ሓምለ ከም ብሓድሽ ኪቕጽል ኢዩ። ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ መዓልትታት ዓመት ኢዮቤ መንእሰያት ካብ ዕለት 28 ሓምለ ክሳዕ ዕልት 3 ነሓሰ ክካየድ ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ ኣብቲ መደባት ኢዮቤል ክካፈሉ ውን ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ።
ኣቐዲሞም ውን ኣብ ዕለት 29 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቦርጎ ስቡህ ኣንተ ንምብጻሕ ንምክያድ ድሮ ናብ ካስተል ጋንዶልፎ በጺሖም ከም ዝነበሩ ውን ዝዝከር ኢዩ።
እዚ ውጥን ዳግመ ህንጸት ኣብ ካስትል ጋንዶልፎ ዝርከብ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብ2023 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ውሽጢ ጳጳሳዊ ቀጽሪ ምስ ኣከባቢ ንእተተሓሓዘ ጕዳያት ዝኸውን ትምህርታዊ ቦታ ዀይኑ ከገልግል ኢዩ ዝትግበር ዝነበረ፣ እዚ ድማ ነቲ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ዘሕተምዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ስቡህ ኣንተ ከም ኣብነት "ሓባራዊ ኣከባቢ" ኮይኑ ከገልግል ብዝል ሓሳብ ዝተበገሰ ኢዩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2016 ዓ.ም. ንህዝቢ ኽፉት ናብ ዝዀነ ቤተ መዘክር ዝቐየርዎ ሓዋርያዊ መንበሪ ገዛ ምብጻሕ ኣካይዶም ኢዮም።