ር. ሊ. ጳ. ንካርዲናል ቪንት-ትሮይስ በዓል ፓሪስ ከም 'ሕያዋይን ቀናእን ጓሳ' ይዝክሩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ብዕለት 18 ሓምለ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ብፁዕ ካርዲናል ኣንድሬ ቪንት-ትሮይስ ምኽንያት ብምግባር፣ ናብቶም ናይ ፈረንሳ ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሎረን ኡልሪኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ ሓዘኖም ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንዅሎም እቶም ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ፓሪስ ዝሓዝኑ ዘለዉ ምእመናንን "ንዓሰርተው ክልተ ዓመት ሕያዋይን ቀናእን ጓሳ ኢዮም ዝነበሩ" ብምባል መንፈሳዊ ቅርበቶምን ጸሎትን ገለጹሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም "እዞም ልሒቕ ሊቀ-ጳጳሳት ፓሪስ ብፁዕ ካርዲናል ኣንድሬ ቪንት-ትሮይስ ናብ ቤት ኣቦ ከም እተሳገኡ ምስ ሰማዕኩ፣ ኣብዚ ሓዘን እዚ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅርበትን ብጸሎት ከም ዘሰንየኩምን ክገልጸልኩም እደሊ" በሉ።
ቀጺሎም ድማ ከምዚ በሉ - "ብፍላይ ነዚ ምጽንናዕ እዚ ንስድራቤትን ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባትን ነቶም ኣብ ፈተናን ግዜ ሕማሞን ዝሓገዝዎ ማሕበር ማይሰን ማሪ-ቴሬዛ ከምኡውን ነቶም ንዓሰርተው ክልተ ዓመት ሕያዋይን ቀናእን ጓሳኦም ዝነበሩ ካህናትን ምእመናንን ርእሰ ሰበኻታት ፓሪስ ክብጽሕ ምደለኹ።"
ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስ ኣቦና "ንኣገልግሎት ሓዋርያዊ ጉስነት ርእሱ ዘወፈዩ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ ኣብ መስቀል ክርስቶስ ብስጋዊ ሕማማቶም ተኻፊሉ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ኣብ ቤት ዕረፍትን ሰላምን ብርሃንን ኪቕበልዎ" ጸልዮም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "እቲ መለኮታዊ ጐይታ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዝኣተወለዎም ቃልተስፋ ዓስቢ" ክህቦም ተማህለሉ፣ ብምሉእ ልቦም ድማ ሓዋራዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።
ናይ ሥርዓተ ቀብሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ብፁዕ ካርዲናል ኣንድሬ ቪንት-ትሮይስ ሎሚ ዕለት 23 ሓምለ ልክዕ ሰዓት 10 ንግሆ ኣብ ካቴድራል ፓሪስ ኖተር ዳም ዓሪጉ፣ ሊቀ-ጳጳሳት ርእሰ ሰበኻታት ፓሪስ ብፁዕ ካርዲናል ሎረን ኡልሪኽ ድማ ነቲ መሥዋዕተ ቅድሴ መርሕዎ። ብንኽንታት እዚ መሥዋዕተ ቅድሴ ድማ ካብ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. እዚ ካርቴድራት ንበጻሕቲ ዕጹው ኮይኑ ኢዩ ዝወዓለ።
ብፁእ ካርዲናል ቪንት ትሮይስ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ምርኡይ ኣቦ ነበሩ፣ ካብ 2007 ክሳዕ 2013 ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳይን፣ ካብ 2005 ክሳዕ 2017 ድማ ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ኸተማ ፈረንሳይን ኮይኖም ኣገልገሉ።