MAP

2025.07.20 Papa alla specola

ናይ ስልኪ ጻውዒት ቅዱስነቶም፣ ናይ ጸሎት ኣጋጣሚ ምስ ዝኸውን

ኣብ መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ናይታ ወድሰብ ናብ ወርሒ ዝበጽሓላ ዕለት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተመራማሪ ሥነ ህዋ ቡዝ ኣልድሪን ብናይ ስልኪ ጻውዒት ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፣ እዋን ጸሎትን መንፈሳዊ ተዋስኦን ኮይኑ ተረኽበ። ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ እዚ ርክብ እዚ ብኸመይ ቅድስና ናይ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ከም ዜጕልሕን፣ ኣብዛ ብውግእ ዝዓነወት ዓለም ሰላም ንኺሰፍን ህጹጽ ጻውዒት ዘቕርብን ምንባሩ የስተንትን።

ብፓውሎ ራፊኒ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቲ ቅድሚ 56 ዓመት ኣብ ወርሒ ዝበጽሐ ካልኣይ ሰብኣይ ንምድሪ ድማ ኻብኡ ብዓይኑ ክርኣ ዝኸኣለ ተመራማሪ ሥነ ህዋ ቡዝ ኣልድሪን ብመስ ተሌፎን ተዘራረቡ።

ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባ ምስጢር ፍጥረትን ዕቤቱን ከምኡውን ተነቃፊ ምዃኑን ንዝሓብዎ ሓሳባት ኣስዒቦም ንሶም ውን ብዛዕባ ጽባቐ ሰማያት ብተለስኮፕ ብምዕዛብ ከም ዘስተንተኑ መስከሩ። ሰራዊት እስራኤል ኣብታ ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ስድራ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዶም፣ ነቲ ኣረሜናዊ ዝኾነ ውግእ ደው ንምባልን፣ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሔ ንምርካብን፣ ሰብኣዊ ሕጊ ንምሕላው፣ ሰላማውያን ሰባት ንምዕቋብ፣ ሰብኣዊ ግዴታ ንምኽባር፣ ብዘይ ኣፈላላይ ዝግበር ደብዳብ ንምኽልካል፣ ልባዊ ምሕጽንታ ዘቕረቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ከምኡውን በስገዳት ዝግበር ዘሎ ምምዝባል ደቂ ሰባት ክኹነን ውን ተላብዮም።

ስማት ናይቶም ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ብእተ ገብረ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰለስተ ግዳያት በብሓደ ናይ ምጥቃስ ምርጫ፣ ክርስትያን ምእመና ስለ ዝነበሩ ዘይኰነስ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ልክዕ ከም ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣምልኾ ዝርከብ ቅዱስ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኢዩ። ናይ ዅሎም እቶም ብዕሽነት እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ግዳያት ንዝኾኑ ንጹሃት ሰባት ኣስማቶም ንምጥቃስ ዝዓለመ ውን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ግዳይ ስምን ገጽን ዛንታን ዘለዎ ኢዩ፣ ከም ቍጽርታት ጥራይ ኣብ መዓልታዊ ዛዕባታት ዚዝርበሎም ጥራይ ኣይኮኑ።

እዚ እዋን እዚ ኻብ ንሓድሕዱ እተፈልየ እዩ። ግነ ኸም ከም ቅብኣ ኣሳእል፣ ኣብ ድሕተ ባይታ ናይ ሓደ እዋን ፍጻሜ ኮይኖም እተፈልዩ ፍጻሜታት ኢዮም። ብዛዕባ ትርጕም ሰላምን ትርጕም ውግእን እውን ተመሳሳሊ ሓዊ ይነግሩና ኢያቶም- ብሓደ ተግባር፣ ወይ ምሳላዊ መግለሲ ከምኡውን ብቓላት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብዘይ ኣጽዋር ዝፍጸም መንገዲ ሰላም ምዃኑ ዘርኢ ምሳሌ ኢዩ።

ኣብ ገለ ዕላላቶም ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ምስ ቡዝ ኣልድሪን ብናይ ስልኪ ጻውዒት ዘካየድዎ ህሞት፣ እአን ጸሎት ኮይኑ ተረኽበ። እዚ ድማ ኣብታ ንናይ ጐይታ እቲ ዓብዪ ግብርታቱ ማለት ንሰማይን ወርሕን ከዋኽብትን ሰብን እትዛረብ ኣብ መዝሙር 8 እትርከብ ጥቕሲ ተጠቓሊሉ የከብ ። ሰብ ኣዝዩ ንእሽቶ ኢዩ፣ ግናኸ ኣዝዩ ኸዓ ዓቢይ እዩ። ካብ ወርሒ እውን ከይተረፈ ዘይርአ ንእሽቶ ነጥቢ ኢዩ። ግናኸ "ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ገዚእካዮ ኢኻ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣንቢርካዮ ኢኻ" ክብል እቲ ዘማሪ ጸሓፈ።

ንምንታይ? እወ ስለምንታይ እዚ ኾነ?

ሒደት ቃላትን እወ ሒደት ምስልታትን ጥራይ እኹል ኢዩ፣ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ ሓላፍነታትና ደው ከብለና ዝኽእል። እዚኣቶም ድማ እተዘርበሎም ወይ ዘይተዘርበሎ ከምኡ ውን እተፈጸሙ ወይ ዘይተፈጸሙ ክኾኑ ይኽእሉ። ከም ብሓድሽ ደው ንምባልን ንምጅማርን ብዙሕ ከም ዘይወስድ ድማ ተገንዚብና ኣሎና። ደቂ ሰባት እታ ሒዞምዋ ዘለዉ ሓቂ ወይ እቲ ዘሕለፍዎ ዘለዉ ስቓይ ንንጹሃት ሰባት ንምጥፋእ፣ ምሉእ ብምሉእ መመኽነይታ ኸም ዝህቡሉ ዘለዉ ዋላ ሓደ እኳ ዘይክዕል ኩነት ኢዩ።

ምኽንያቱ ምጥሓስ ሰብኣዊ ኽብሪ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ብመልክዑ እተፈጠርናሉ ኣምላኽ ምጕሃይ ማለት ክንዲ ዝኾነ ። ኵላትና እተወለድናሉ ታሪኽ ምኽሓድ ደማ ኢዩ። ነታ ሓባራዊት ገዛናን መንበሪትናን ዝዀነት ምድሪን ነቲ ኣብኣ ዘሎ ዜደንቕ ፍጥረት ንምጥፋእ ዝዓለመ ውን ኢዩ።

ኣብታ ብ2013 ኣብ እተካይደ ናይ ኦስካር ሽልማት እተዓወተት ͍ራቪቲ ዘርእስታ ፊልም፣ እቶም ክልተ ጠፈርተኛታት ካብ ህዋ ናብ ምድሪ ብኣድንቖት ይጥምቱ፣ እቲ ሓደ ኸኣ "ድንኳንካ ኣበይ ተተኺልካዮ ኣሎኻ?" ክብል ይሓትት። ኣብ  መቕድም ናይ ወንጌል ዮሓንስ ቃል ኣምላኽ "ድንኳኑ ኣብ መንጎና ተኸለ" ስለ ዚብል እዘን ቃላት እዚኣተን ሓያል መልእኽቲ ኢዩ ዘለወን።

እዛ ብውግእ እተበታተነት ንእሽቶ ዓለምና ብተግባረ ፍጥረት እተሰለመት ኪዳናዊት ቤትና ኣዝያ ሃብታም ካብ ምዃና እተላዕለ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብኣ ኺነብርን ኪብጀዋን መረጸ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ኣብ መወዳእታ ከጥፍኣ ዘደሊ ውግእ ክዕወት ዘይክእል።

22 Jul 2025, 16:16