ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ሜሎኒ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዕለት 2 ሓምለ ንናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጃ መሎኒ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን እዚ ክሌኣዊ ርክብ እዚ ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣተኲይሩ ካብ 24 – 25 ሰነ ኣብ ሄግ ዝተኻየደ ዋዕላ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ ሃገራት - NATO ተሳቲፋ ድሕሪ ቁርቡ መዓልቲ ምምላሳ ዝተኻየደ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፣ መራሒት መንግስቲ ኢጣልያ ሜሎኒ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበተት ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበትን፣ ኣብዚ ዳርሕረዋይ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ጎሊሑ፡ ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ንሰላም ዝግበር ሓባራዊ ተወፋይነት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ” ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምይይጥ ምክያዱ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከምኡ’ውን ንቤተክርስትያንን ሕብረተሰብ ኢጣልያን ዝምልከቱ ኣርእስታት ብዝምልከት ዘተ ምክያዱ ኣፍሊጡ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ቱርኪ ርእሰ ብሔር ኤድሮጋን ታይፕ በዓልቲ ቤት ኤሚነ ኤርዶጋን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣፍሊጡ።