MAP

AI for Good Global Summit in Geneva AI for Good Global Summit in Geneva  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምዕባለ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ድልድልን ሕውነት ኣብ ምህናጽ ክዓዪ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ክታሞም ዘንበሩሉ፣ ናብቲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ እተኻየደ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሃገራት ንንጥፈታት ሓባራዊ ረብሓ ዝጠቅም ስርዓታትን መምርሒታትን ከማዕብሉ ኣተባብዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሃገራት እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ብመሰረት ሓባራዊ ረብሓ ምእንቲ ኺምዕብልን ኣብ ጥቕሚ ምእንቲ ኺውዕልን፣ ኣብቲ ካብ ዕለት 8 ኽሳዕ 11 ሓምለ ኣብ ከረማ ጀኒቫ ስዊዘርላንድ እተኻየደ ዋዕላ ንተሳተፍቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ መስርሕን መምርሒታትን ኬቝማ ኣተባብዕወን።

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝኸተምዎ መልእኽቲ ከምዚ ይብሉ - "ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብመንገዲ ስነ-ምግባራዊ መምርሒታት ንጹር ንምግባርን፣ ኣብቲ ዝካየዱሉ ክብርን መሰረታዊ ሓርነትን ወድሰብ ተመርኲስካ እተወሃሃደ ኣከባቢያውን ዓለማውን ምምሕዳር ንምቛምን ከተባብዓኩም እደሊ ኢየ።

እቲ ዋዕላ ብኣህጉራዊ ሕብረት ተሌኮምኒኬሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተወደበ ዀይኑ፣ ብመንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝተኣንገደ ኢዩ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ መንግስታት፣ መራሕቲ ተክኖሎጂ፣ ሊቃውንትን ከምኡውን ካልኦት ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ተገዳስነት ዘለዎም ኣካላትን ተሳተፍዎ።

ኣብዚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ "ሰብ ምዃን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ" ዘስተንትኑሉ ዘለዉ "ዓሚቝ ዘመን ሓድሽ ምህዞታት" ዓለም "ነቲ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እተመርሐ ኤለክትሮኒካዊ ሰውራ ዘምጽኦ ዓብዪ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ መስመራት መራኸቢ ብዙሓን ኢያ ዘላ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣስመሩሉ።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ስነ ምግባራዊ ምምሕዳርን ስርዓታትን የድልዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ከምዚ ብምባል ኣጕልሑ - "ሰብ ዝስርሖ ኣስተውዕሎት ምሉእ ብምሉእ ተክኒካዊ ምርጫታት ብምግባር፣ ምስ ብዙሕ ኵነታት ብገዛእ ርእሱ ንኽለማመድ ምስ ምክኣሉ፣ ነቲ ስነ-ሰብኣውን ስነ-ምግባራውን ጽልዋታቱን፣ ነቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ከምኡውን ነቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምድጋፍ ዘድሊ ግዴታታትን መምርሒታትን ኣብ ግምት ምእታው ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።"

"ንስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማን፡ ስርዓተ-ምክልኻልን፡ ሓላፍነት ናይቶም ዘማዕብልዎ ምቍጽጻርን ከምኡውን መምዘኒታትን ማዕቀናትን ብምምዕባል ኢዩ ዝጅምር" ብምባል ውን የመልክቱ፣ እንተዀነ ግን ተጠቀምቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ውን፣ ነዚ ተልእኾ እዚ ከካፍልዎ ኣለዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ኣብ ሰብ ዘተኰረ ግቡእ ስነ ምግባራዊ ምምሕዳርን ስርዓታትን የድልዮ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ካብ መለክዒታት ኣጠቓቕማ ወይ ስሉጥነት ንላዕሊ እዩ" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ሰላማዊ ማሕበረሰብ ንምህናጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ "ህድኣት ስርዓታት" ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ብምጥቃስ፣ እዚ ሓባራዊ ሸቶ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጕልሑ፣ ስለዚ ኸኣ "ዝያዳ ሰብኣዊ ስርዓትን ማሕበራዊ ርክባትን" ከምኡውን "ንምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን ንሰብኣዊ ስድራቤትን ኣብ ምግልጋል ሰላምን ቅንዕናን ዘለዎ ሕብረተሰብ" ከስፋሕፍሕ ከም ዘለዎ ገለጹ።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ብቕልጡፍን ብውጽኢታዊ መገድን ክቐድሖን ወይ ከም "ትምህርቲ ስራሕ ስነ-ጥበብን፡ ክንክን ጥዕናን ምሕደራ ወተሃደራትን ከምኡውን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መስመራት" ዝኣመሰለ መዳያት ክቕይሮ ዝኽእል እኳ እንተዀነ "ስነ-ምግባራዊ ኣስተውዕሎት ወይ ሓቀይና ርክብ ናይ ምምስራት ክእለት ደቂ ሰባት ክደግም ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣጠንቂቖም።

ምዕባለ ናይዚ ተክኖሎጂ እዚ ንገዛዕ ርእሱ "ምስ ሰብኣውን ማሕበራውን ስነ-ምግባራውን ስርዓታት ምስ ብንጹህ ሕልና ናይ ምፍራድ ክእለትን ከምኡውን ምስ ዕቤት ሰብኣዊ ሓላፍነት ኢድን ሽፋን ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ "ንሓባራዊ ጥቕሚ ንምምሕያሽን ንምጥቃምን ድልድል ዘተ ንምህናጽ ከምኡውን ሓድነት ከም ዚሰፍን ንምግባር ምስትውዓል" ከም ዜድሊ ተማሕጸኑ። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት "ንረብሓታት ደቅሰብ ብሓፈሻ" ከገልግል ኣለዎ ብምባል ድማ መልእኽቶም ዛዘሙ።

11 Jul 2025, 13:13