ር. ሊ. ጳ. ልዮን ብዛዕባ መጥቃዕቲ ክርስቲያን ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝሃብዎ ምሕጽንታ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"በቲ ካብ ዕለት 26 ክሳዕ ዕለት 27 ሓምለ ምሸት ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትርከብ ከተማ ኮማንዳ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዓሚቝ ጓሂ ኢዩ ተሰሚዑኒ፣ ኣብኡ ድማ ጸሎት ኣብ ዝገብሩሉ ዝነበሩ እዋንን ኣብ ኣባይቶምን ልዕሊ ኣርብዓ ዝኾኑ ክርስትያናን ምእመናን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተቐቲሎም ኣለዉ" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝተሰምዖም ዓሚቑ ጓህን ሓዘንን ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘመሓላለፍዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ነዚ ስምዕታ እዚ ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ እዚ ድማ ካብቲ ናይ ክረምቲ ዕረፍቶም ድሕሪ ምምላሶም እቲ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካየድዎ መደብ ኢዩ ዝነብረ። ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ነቲ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኢቱሪ እትርከብ ኣብ ከተማ ኮማንዳ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብፁዕ ኣኑዋሪት ዝወረደ ኣሰቃቒ መጥቃዕቲ ኮነነንዎ።
ዝሓልፈ ሰንበት ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ኢቱሪ ኮንጎ እቶም ተቐናቐንቲ ጉጅለታትን ናብ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምእታው ነቶም ኣብ ኣምልኾን ጸሎትን ዝጸንሕዎም ሰባት መጥቃዕቲ ብምውራድ ልዕሊ 40 ሰባት ቀቲሎም ይርከቡ። ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም እንተ ወሓደ 38 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ አሎ፣ ሓያሎ ኻልኦት ከኣ ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ቍሸት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብዚ ሎሚ እተኻየደ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህተ ክርስቶስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ግዳያት ናብ ፍቕራዊ ምሕረት ኣምላኽ ብሕድሪ ከም ዘወፈይዎም ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ምእንቲ እቶም ዝቘሰሉን ምእንቲ እቶም ብከቢድ ዓመጻን ስደትን ዚሳቐዩ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ዅሎም ክርስትያን ምእመና እጽሊ ኣሎኹ" ድማ በሉ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቶም ኣብ ኣከባቢያውን ኣህጉራውን ደረጃታት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመታት ንምክልኻል ብሓባር ኪዓዩ እምሕጸኖም ኣሎኹ" በሉ።
ደድሕሪ እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዛ ሰሙን እዚኣ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ እተላእከ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ቴለግራም ቅዱስ ኣቦና ከምዚ ክብሉ ጸልዮ - "ደም እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ዘርኢ ሰላምን ዕርቅን ሕውነትን ፍቕርን ህዝቢ ኮንጎ ይኹን።"