ር. ሊ. ጳ. ሃለዋት ናይቶም ኣብ ቃዛ ንዓመጽን ሞትን እተቓልዑ ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ገሊጾም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ነቲ ንብዙሓት ሰባት ዘሳቒ ዘሎ ውግኣት ፍታሕ ክረኽቡሉ ብምምሕጻን "ልበይ ብፍላይ ምስ ኵሎም እቶም ብሰንኪ ግጭታትን ዓመጻን ኣብ ዓለም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኣጸቢቑ ቀረባ ኢዩ" በሉ።
"እቲ መስፍን ሰላም ነቶም በቲ ኣብ ዶብ ታይላንድን ካምቦድያን እተገብረ ግጭት እተጐድኡ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ቈልዑን ህጻናትን፣ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ስድራ ቤታትን ከምኡውን ነቶም ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ግዳያት ዓመጻ ዝዀኑ ዘለዉ ሰባት ዘተን ዕርቅን ንምድላይ ኵሉ ሰብ ክዓዪ ኣለዎ" ክብሉ ተላበዉ።
ንህዝቢ ቃዛ ዓሚቝ ሓልዮት የድልዮም ኣሎ
ቅዱስ ኣቦና ደድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ምድጋሞም፣ ዓለም ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ቃዛ ብዓጸቦ ኣዕጽምቶም ዝራዕየ ቈሉኡን ህጽናት ኣብ ሆስፒታላት መልኦም ኣብ እትርእየሉ ዘላ እስራኤል መግቢ ምልኣኽ ከልኪላ፣ ካብቲ ብጥሜት ዝሞቱሉ መቝነን ብፍላይ ከኣ ካብቶም ብቕልጡፍ ክትንስኡ ዝኽእሉ ሰባት ዘድልዮም ኣጸቢቑ ዝተሓተ መቍነን ገይራቶ ኣላ ድሕሪ ምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ነቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ኣዝዩ ኸቢድ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጸቢቐ ኢየ ብሻቕሎት ዝከታተሎ ዘለኹ። ኣብቲ ሰላማውያን ሰባት ብጥሜት ዝሳቐዩሉን ንዓመጽን ሞትን እተቓልዑሉን ቦታታት ምስኣቶም ኢየ ዘሎኹ" በሉ።
"ነቲ ሰላማውያን ሰባት ብጥሜት ዝጭፍለቑን ንዓመጽን ሞትን እተቓልዑሉን ኣብ ዞባ ቃዛ ዘሎ ኣዝዩ ኸቢድ ናይ ግብረ - ሰናይ ኵነታት ኣጸቢቐ ኢየ ብሻቕሎት ዝከታትሎ ዘሎኹ። "
Ljͽንታ
"ነቲ ውግእ ደው ንምባልን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ንምውጻእን ከምኡውን ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ኣኽብሮት ንምርካብ ንዘቕረብክዎ ልባዊ Ljͽንታ ዳግም አሐድሶ ኣሎኹ" በሉ።
"ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣምላኽ እተዋህበ መንነታዊ ክብሪ ኣለዎ።"
ንፖለቲከይናታትን መራሕቲ ሃገራርን ድማ ኣስዕብ ኣቢሎም ኸምዚ በሉ - "ኣብ ኵሉ ግጭታት ዘለዉ ዅሎም ተሳተፍቲ ወገናት ነዚ ኽብሪ ወድሰብ እዚ ኣፍልጦ ኽህቡሉን፣ ነዚ ዝጥሕስ ዝዀነ ይኹን ተግባር ከቋርጹን እምሕጸኖም ኣሎኹ" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ መጻኢ ሰላም ንዅሎም ህዝብታት ምጕስጉስ ከምኡውን ንዝዀነ ይኹን ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ዝኽእል ነገር ምንጻግ ከም ዘተባብዑ ከምኡውን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግሥተ ሰላም "ነቶም ግዳያት ግጭታት ዝዀኑ ንጹሃት ሰባት፣ ነቶም መወዳእታ ኽገብሩሎም ስልጣን ዘለዎም መራሕትን" ናብኣ ብሕድሪ ኸም ዘወፍይዎም ገለጹ።
"ንማርያም ንግስቲ ሰላም ነቶም ግዳያት ግጭታት ዝዀኑ ንጹሃት ሰባትን ከምኡውን ነቶም ነዚ ግጭታት መወዳእታ ኽገብሩሉ ስልጣን ዘለዎም መራሕትን ብሕሩ የወፍዮም ኣሎኹ ።" ክብሉ ውን ጸለዩ