ር. ሊ. ጳ.፦ “ንሞት ከሽክዕ ኣይንኽእልን ኢና፣ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ፣ ንህይወት ነገልግል
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ዝገብሩሉ ዘለዉ፣ ምስቶም ናብቲ ኣብ ጥቓ ሮማ ዝርከብ ኵድዅዶታት ዝበዝሖ ኸተማ ዝመጹ ነጋድያን ሓቢሮም ነቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ጸልዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ፍሪደም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል "መምህር ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽወርስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?" ክብን ንዝሓተቶ ምርኩም ብምግባር ኣስተምሂሮም።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ሰብኣይ እቲ ዝሓተቶ ሕቶ፣ ነቲ "ካብ ውድቀትን እከይን ሞትን ናጻ ዝዀነ ህላወ" ዓሚቝ ባህጊ ልቢ ሰብ ከም ዝገልጽ ተገንዚቡ ኢዩ በሉ።
ዘለኣለማዊ ህይወት ብሓይሊ ኽንረክብ ወይ ንኽንረኽባ ውዕላት ክንገብር ከም ዘይንኽእል የግዳስ ክንወርሳ ኸም ዘሎና ውን ገለጹ።
"ከምቲ ወለዲ ንደቆም ዚገብርዎ እታ ኣምላኽ በይኑ ክህበና ዚኽእል ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ከም ውርሲ እያ እትወሃበና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኸም ዝገለጽዎ በዚ ምኽንያት እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ከም ዘሎና፣ ማለት ንኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ብብጻይናን ከነፍቅሮ ኣሎና ማለት እዩ ።
"እዚ ኽልተ ነገራት እዚ ምስ እንገብር ንፍቕሪ ኣቦ ንሕና ውን ምላሽ ንህብ ኢና" በሉ። "ፍቓድ ኣምላኽ እቲ ኣቦ ባዕሉ ኣብ ወዱ ኢየሱስ ብዘይ ቅድመ ዅነት ብምፍቃር ዚስዓቦ ሕጊ ህይወት እዩ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያን ምእመናን ፍቕሪ ካብ ለጋስነት ይቕቴታን ዝሰፍሐትን ስለ ዝዀነት ንገዛእ ርእስና ፈጺምና ኸም ዘይንፈትዋ ብምግላጽ፣ ትርጕም ናይ ሓቀይና ንምርካብ ናብ ኢየሱስ ክጥምቱ ከም ዘለዎም ተማሕጸንዎም።
ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ናብ ደቂ ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝቐረበ፣ ንሕና እውን ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኽንከናኸኖም ጻውዒት ቀሪቡልና ኣሎ ውን በሉ።
"ኣብነት ናይቲ መድሓኒ ዓለም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኽታል ንሕናውን ልዕሊ ዅሉ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹን ተስፋ ዘቝርጹን ሰባት ምጽንናዕን ተስፋን ከነምጽኣሎም ተጸዊዕና ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፣ እቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነፍቅር ዚእዝዝ ዝለዓለ ትእዛዝ ንዅሉ ሕግታት ደቂ ሰብ ከም ዚትክኦን፣ ናይ ሓቂ ትርጕሙ ኸም ዚህቦምን ብምዝካር፣ ነቲ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘዳለውዎ ኣስተንትኖ ዛዘሙ።
"ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር ንሞት ከነታልል ኣየድልየናን እዩ፣ የግዳስ ንህይወት ከነገልግል ንኻልኦት ክንከናኸን ብሓባር ድማ ግዜ ኸነሕልፍ ኣሎና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህይወት ንምግልጋል ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ "ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ሰብ ጥበብ ንሰላም" ከም እንኸውን ገለጹ።