ር. ሊ. ጳ.፦ ከም ልኡካነ ወንጌል ትጉሃት ሰብ ውዕለት ኩኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ዕለት 6 ሓምለ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣካ እግዚአብሔር እተሳተፉ ምእመናን ኣብ ዝለገሱሎም ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዝርከብ ተልእኾ ወንጌላዊ ባህርይ ናይ ቤተ - ክርስትያን ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ሰብዓን ክልተን ደቀ መዛሙርቲ ብምልኣኽ ኣብ ዝፈጸሞ ተግባር ኣተኲሮም ኢዮም ዘስተምሃሩ፣ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ኣድማሳዊ ስፍሓት ዘለዎ ጸዋዕታ ኩሎም ክርስቲያን ምእመናን ከም ዜመልክት ገለጹ። "ተስፋ ወንጌል ንዅሎም ህዝብታት እተሰናደወ እዩ" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እዚ ኸአ "ስፍሓት ልቢ ኣምላኽን ብዝሒ ምህርቱን" ከም ዜንጸባርቕ ገለጹ።
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥቃስ "እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ እቶም ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም" ክብሉ ውን ኣመልከቱ። ዓለምና በቲ ኣቓልቦ ዚሰርቕ ነገራትን ጫውጫውን ተዋሒጣ ኽትከውን እትኽእል እኳ እንተ ዀነት፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ደቂ ሰባት ግን "ንዝዓበየ ሓቂ ሃረር እዮም ዝብሉ ዝለዉ"፣ ፍትሒ የናድዩ ከምኡውን ኣብ ውሽጦም "ናይ ዘለኣለም ህይወት ሃረርታ" ከም ዘለዎም ውን ገለጹ።
ኣምላኽ ብልግሲ ወጺኡ ኣብ ኣልባብ ሰባት ዝዘርአ ዘራኢ ኸም ዝዀነ ድማ ገለጹ፣ እዚ ዘራኢ እዚ ኸኣ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት "ዘርኢ ሃረታ ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉን፣ ምሉእን ህይወትን ከምኡ ውን ሃረርታ ድሕነት ናይቲ ሓራ ዜውጽኣና ዝዘርእ ኢዩ"። ይኹን እምበር 'ነቲ ንዓጺድ ዝበሰለ ጽቡቕ እኽሊ ብዓይኒ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለልዩ' ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ዘለዉ።
ናይ እመነት ሰራሕተይናታት ኩን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እምነት "ደጋዊ ምልክት ጥራይ" ክትከውን ከም ዘይብላ ኣጠንቀቑ። ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ዘድልየን ዘሎ ሓሓሊፎም ክርስቲያን ዝኾኑ ሰባት ዘይኰነስ "ኣብ ግራት ተልእኾ ወንጌላውነት ክዓዩ ህንጡያት ዝዀኑ፣ ኣብ ኵሉ ቦታታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝምስክሩ፣ ፈቃራት ደቀ መዛሙርቲ" ኢዮም።
ሓሓሊፎም ብሃይማኖታዊ ስምዒት ስጕምቲ ዝወስዱ ወይ ሓሓሊፎም ኣብ ዝግበር ፍጻመታት ዝሳተፉ፣ ማለት ሎሚ ብዙሓት "ሓሓሊፎም ክርስትያን ዝኾኑ" ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እንተዀነ ግን "ኣብ ክግራት ኣምላኽ ንምውፋር መዓልታዊ ድሉዋት ዝዀኑ" ኣዝዮም ሒደት ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተትኖኦም፣ እዚ ተልእኾ እዚ "ብዛዕባ መደባት ጕስነት ብዙሕ ክልሰ-ሓሳባዊ ነገራት" ከም ዘየድልዮ ውን ኣጕልሑ። ኣብ ክንዳኡስ "ናብቲ ጐይታ እቲ እኽሊ ኽንጽሊ ኣሎና" በለ። ነቲ ሓደ ሰብ ምስ ጐይታ ዘለዎ ርክብ ቀዳምነት ብምሃብን፣ ምስኡ ዘለዎ ርክብ ብምዅስኳስን ሰባት "ንመንግስቱ ንምምስካር ናብ ግራት ዓለም" ንኽለኣኹ ድሉዋት ኰይኖም ናይ ሓቂ ሰራሕተይናታት እምነት ንኽዀኑ የኽእሎም ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ናብታ "ኣብ ዕዮ ድሕነት ንኽትሳተፍ ብልግሲ 'ሕራይ' ዝበለት" ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ክውፈዩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።